ንህዝቢ ትግራይ መትሐጃ ረብሓኡ ዝገበረ ዘይሕጋዊ ጉጅለ
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተረኸበ ሰላም ኣብ ክንዲ ምፅናዕን ንህዝቢ ተጠቃሚ ምግባርን፣ ዳግም ጦር እናወጣወጠ ይርከብ።
መንግስቲ ፌዴራል ብተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም የቕርብ እምበር፣ እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ መትሐጃን ዕጉትን ብምግባር ኣብቲ ክልል ሓይሊታት ወፃኢ እንተይተረፈ ብምግባዝን ብምልእኣኽን ኲናት ይልምን ኣሎ።
እዚ ድማ ንትግራይ ዓውደ ኲናት ዝገብርን ንህዝቢ ናብ ካሊእ ህልቂት ዘምርሕ ብምዃኑ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ነባሪ እቲ ክልል ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ንክልል ትግራይ ሓዲጉ እናወፅአ ይርከብ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ስልጣኑ ንምሕላው ክብል ኣብቲ ክልል ደቂ ተባዕትዮን ሰገናትን ብግዲ ብምእሳርን ናብ መዕጎሪ ካምፕታትን ብምዕጋት ንውትድርና እናሰልጠነ ይርከብ።
እዚ ተግባር ቅድሚ ሕዚ ዝፈፀሞ ጥፍኣት እንተይነኣሰ ንሓዱሽ ትውልዲ ናብ ኲናት ዝእጉድ ብምዃኑ ልዑል ተቓውሞ ኣልዒሉ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ካብ ሰብኣዊነት ረብሕኡ ስለዝበልፆ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ዓጊቱ ብመሓዝ ሓገዝ እኳ ከይረኽቡ ገይሩ ኢዩ
እዚ ከይኣኽሎ መንግስቲ ፌዴራል ንህዝቢ እቲ ክልል ዘቕርቦ ውሲን ሃፍቲን ቀረብ ነዳዲን ንመዳለዊ ኲናት እናባኸነ ይርከብ።
እዚ ድማ ህዝቢ ካብ ስሩዕ ልምዓትን ሓገዝን ኣጊዱዎ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብዘካየዶ መበል 14 ጉባኤ ምኽንያት ብቦርድ መረፃ ኣፍልጦኡ ዝሰኣነ እንርኸውን፤ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከም ሓደ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ሙሉእ ብሙሉእ ስኢኑዎ ኢዩ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምፍራስ ኣብቲ ክልል ባዕሉ ገባሪ ሓዳጊ ንምዃን እናፀዓረ ይርከብ።
እዚ ድማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብቐጥታ ዝጥሕስ ተግባር ኢዩ።
ንተግባራት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝተቓወሙ ተወለድቲ ትግራይ፣ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስቀል ኣደባባይ፣ “ዓፈና ይቑም፤ ሰላም ይዕሰል” ብዝብል መሪሕ ቃል ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብቲ ሰልፊ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ንምፍላይ፣ ከምኡ ድማ ምስ ወፃኢ ሓይልታት ብምትሕብባር እታ ሃገር ናብ ውግእ ንምእታው ዝገብሮ ፈተነ ተቓዊሞም።
ነበር ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትርን ዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ሰልፊ ተረኺቦም ከም ዝገለፁዎ፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ድሕሪት ይጎትቶ ኣሎ፣ ንስልጣኑ ክብል ድማ ነጋሪት ኲናት ይዘብጥ ኣሎ ኢሎም።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ሰላም ዘፍርሱን ውግእ ንዘበኣእሱን መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለን ስድራቤቶምን ናይ ቪዛ ምእጋድ ውሳነ ምሕላፉ ዝዝከር እዩ።
እዚ ድማ ማሕበረሰብ ነቲ ጉጅለ ከም ዝነፀጎ ዘርኢ ንፁር ምልክት እዩ።
እቲ ልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቲ ጉጅለ መከራኡ ዝረኣየ ህዝቢ ትግራይ፤ ሕዚ ዝደልዮ ውግእ ዘይኮነስ ሰላም፣ ልምዓት፣ መሊስካ ምጥያሽን ሓፈሻዊ ምዕባለን እዩ።