ንሰንደቕ ዕላማና መስዋእቲ ምኽፋል ዘሎ ሓቂ ብለበስቲ ዩኒፎርም ብተግባር ይረጋገፅ ኣሎ – ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንባንዴራና መስዋእቲ ምኽፋል ዘሎ ሓቂ ብኣባላት ለበስቲ ዩኒፎርም ብተግባር ይረጋገፅ ኣሎ ኢሎም ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ፌደራል ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል።
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ “ሰንደቕ ዕላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል ቴማ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ኣኽቢሩ።
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከም ዝገለፁዎ፤፣ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ኣብ ዝተዋፈሩሎም ኩሎም ከባቢታት ሰንደቕ ዕላማ ሓፍ ኢሉ ንኽውልብለብ ዝተውሃቦም ዕማም ብጀግንነት፣ ብዲሲፕሊንን ብልዑል ስምዒት ፍቕሪ ሃገርን ኣብ ዝፍፅሙሉ እዋን ምኽባሩ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ።
ሰንደቕ ዕላማ መግለፂ ክብርን ሉኣላውነትን ሃገር ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ምእንቲ ሃገር ክበሃል ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ዝበፅሕ ልዑል ብሄራዊ ምልክት ምዃኑ ኣብሪሆም።
ንዓባይ ሃገርና ዝምጥን ብዲሲፕሊንን ሞያዊ ብቕዓትን ዝተሃንፀ ሓይሊ ፖሊስ ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ተዛሪቦም።