ኢትዮጵያ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ለውጢ ክሊማ ኣፍሪካ እተንፀባርቐሉ ጉባኤ ኮፕ 31
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣጀንዳታት ለውጢ ክሊማ ኣፍሪካ እተንፀባርቐሉን ዝቕፅል ጉባኤ ናይ ምትእንጋድ ሓላፍነታ እትርከበሉን መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 31) ፅባሕ ኣብ ቱርኪ ምክያድ ክጅምር እዩ።
ኣብ ከተማ ኣንታልያ ቱርኪ ዝካየድ እቲ ጉባኤ፤ “ካብ ዘተ ናብ ዓለም ለኸ ተግባርን ኣፈፃፅማን ዝሰጋገረሉ” (“Where dialogue turns into global action”) ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክሳብ 20 ሕዳር ዓ.ም.ፈ ክካየድ እዩ።
ፋይናንስ ክሊማ፣ ከይዲ ምክልኻል ለውጢ ክሊማ፣ ፍትሓዊ ስግግር ሓይሊን ለውጢ ክሊማ ብዘብፀሖ ጉድኣታት ዝውዕል ደገፍ ፋይናንስ ምእካብን ኣብቲ ጉባኤ ዘተ ዝካየደሎም ኣጀንዳታት ምዃኖም ተሓቢሩ።
ብኽነት ምግቢን ምልቃቕ ጋዝ ሚቴንን ምንካይ፣ ስግግር ፅሩይ ፍልፍል ሓይሊ፣ ንለውጢ ክሊማ ዝፃወሩ ከተማታት ምህናፅ፣ ሓምለዋይ ኢንዱስትሪ፣ ውሕስነትን ፀጥታን ምግቢ፣ ምክልኻል ስነ-ምህዳር ባሕሪን ጥዑይ ስርዓት ክሊማን ኣብቲ ጉባኤ ከም ንኡሳን ኣጀንዳታት ዝቐርቡ እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ እትሳተፍ ኮይና፤ ኣብቲ ጉባኤ ኣጀንዳታት ለውጢ ክሊማ ኣፍሪካ ከም እተንፀባርቕን ፍሉይ ተቓላዕነትን ድሌታት እታ ኣህጉር ንዓለም ከም እተፋልጥን ትፅቢት ይግበር።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘካየደቶም ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ሓምለዋይ ስራሕቲ ልምዓትን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እተርእየሉ መድረኽ እውን እዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ንለውጢ ክሊማ ክትፃወር ዘኽእሉ ወፍርታት ንምስሓብ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ ንምቅልጣፍ፣ ከምኡ እውን ህንፀት ዓቕሚን ምዕባይ ክእለትን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ከም እትመያየጥ ትፅቢት ይግበር።
ብተመሳሳሊ ልምዓት ቱሪዝምን ዘፈር መዓድንን ንምዕባይ ዞባዊ ምትሕብባር ምጥንኻር፣ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ምንቕቓሕን ዘላቒ ልምዓት መዓድንን ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ኣጀንዳ ክተልዕል እያ።
ብፍላይ ኢትዮጵያ ነዚ ዓቢይ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ንምምራሕ ከምኡ እውን ንጉባኤ ዘድልዩ ዓለም ለኸ ሎጂስቲክስ፣ ድሕንነት ትራንስፖርትን ምድላዋት ንምክያድ ዘኽእላ ተሞክሮ ካብቲ መድረኽ ክትቀስም እያ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
ብሚኪያስ ኣየለ