ኣብ ተፋሰስ ኣባያ-ጫሞ ዝርከቡ ሩባታት ትንበያ ውሕጅ ንምክያድ ዘኽእል ስርዓት ሓበሬታ ተዘርጊሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ተፋሰስ ኣባያ-ጫሞ ዝርከቡ ሩባታት ትንበያ ውሕጅ ንምክያድ ዘኽእል ዘተኣማምን ስርዓት ፍሰት ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኢሉ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ተግባር እናውዓሎ ዝርከብ ፕሮጀክት ምክልኻልን ምምሕዳርን ሓደጋ ውሕጅ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ንኡስ ተፋሰስ ኣባያ-ጫሞ ዝተኻየዱ ሰለስተ መሰረታዊ ሪፖርታት መፅናዕቲ እናገምገመ ይርከብ።
ምክትል መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ተስፋዬ ኣባቡ ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ፕሮጀክት ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ሃንደበታዊ እዋን ሓደጋ ምላሽ ምሃብ ናብ ቅድመ ምክልኻልን ለውጢ ክሊማ ዝፃወር ኣሰራርሓን ንምስግጋር ዓብዪ ተራ ክህልዎ እዩ።
ሳይንሳዊ ምርምራት ምስ ኣተገባብራ ውሳነታት ብምውህሃድ ውሕስነት ማይ እታ ሃገር ምርግጋፅ ቀንዲ ዕላማ እቲ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ሓበሬታ ኣብ ዘይብሎም ተፋሰሳት ኣባያ-ጫሞን ሓጓፍ ሽንጥሮን ትንበያ ውሕጅ ንምክያድ ዘኽእል ዘተኣማምን ስርዓት ፍሰት ሓበሬታ ከምዝተዘርግሐ ተዛሪቦም።
ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ኣብቶም ተፋሰሳት ዝተዋደደ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ንምትግባር ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ንምንካይን ዓቕሚ ትንተና ሓበሬታ ትካላት ንምዕባይን ሰለስተ መፅናዕትታት ኣካይዱ።
እቶም መፅናዕቲታት ሓበሬታ ናይቲ ቀላይን ተፋሰሳትን ብምጥቃም ኣብ ሓደጋ ውሕጅ ክወድቑ ዝኽእሉ ቦታታት ብምልላይ ቅድመ መጠንቀቕታ ንምድላው ዝሕግዙ ምዃኖም ተሓቢሩ።