ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ኣብነት ዝኾነት ሃገር ኮይና ኣላ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን
መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ኣብነት ዝኾነት ሃገር ኮይና ኣላ።
ለውጢ ክሊማ ንምፅዋር ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ፣ ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖሚ፣ ከምኡ እውን ድሕንነትን ብሄራዊ ረብሓን ንምሕላው ቁልፊ ሜላታት እዮም።
ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፤ ፀጋታት ተፈጥሮ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ልምዓት ኢኮኖሚ ብምቅልጣፍ ንወለዶታት ዝሰጋገር ምዕባለ ንምርግጋፅ ዝዓለመ ሃገራዊ ጎስጓስ ኮይኑ ኣሎ።
ኢትዮጵያ እዚ ኣብ ተግባር ዝተመስረተ ተሞክሮ ናብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብምስፋሕ ኣብ ዲፕሎማሲ ክሊማ ዘለዋ ፅልዋ እናጠናኸረት ትርከብ። ኣብ ቱርኪየ ኣንታልያ ኣብ ዝናተኻየደኻብ ዝርከብ ጉባኤ ኮፕ31 እናገበረቶ ትርክብ ንጡፍ ተሳትፎን ዝኸፈተቶ ማእኸል ዓውደ ምርኢትን ዓወታት ሓምለዋይ ልምዓትን ሃገራዊ ምልክታታን ንዓለም እናላለየት ትርከብ።
ኣብ ሸሞንተ ዓመታት ልዕሊ 56 ቢልየን ፈልሲ ዝተኸለት ሃገርና፣ ብዝሕደስ ሓይሊ፣ ልምዓት ኮሪደር፣ ብመስኖ ሓጋይን ልምዓት ወሰን ሩባታትን ዘይብዳህ ስርዓት ኢኮኖሚ እናሃነፀት ትርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ምላሽ ለውጢ ክሊማ መሪሕ ተራ ካብ ምፅዋት ብተወሳኺ ሕዚ ኣሰናዳኢት ሃገር ኮፕ32 ኮይና ኣላ። ኣብ ኮፕ31 ተሞክሮኣ እናካፈለትን ካብ ምድላው እቲ ጉባኤ ተሞክሮ እናቐሰመትን ኣጋይሻ ብኽብሪ ዓዲማ ኣላ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት እነተኣናግዶ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ኢትዮጵያ ናይ ልምዓት ተሞክሮኣ ኣብ ባይታ እተርእየሉ፣ ንፍትሒ ክሊማን ንተግባራዊ ኣፈፃፅማ ፋይናንስ ልምዓትን እትቃለሰሉ፣ ኣብ ቱሪዝም፣ ኢንቨስትመንትን ዓለም ለኸ ሽርክነትን ዘለዉ ዕድላት እተስፍሐሉ ታሪኻዊ መድረኽ እዩ።