ኢትዮጵያ ንፀላእታ ቀጥቂጣቶም እያ!
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ማዕበል ዘይተፈራረቐላ ሽርሒ ዘይተኣለመላን ናይ ግዘ ምዕራፍ የለን። ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ብእቶን ፈተናታት ሓሊፋ ብዝበለፀ በሪሃን ሓይላን እትወፅእ ፍልይቲ ሃገር እያ።
ሎሚ እውን ታሪኽ ንባዕሉ ደጊሙ እዩ፤ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ንኢትዮጵያ ንምውዳቕን ንምምብርካኽን ዝፈተኑ ሓይሊታት ኩሎም ናይ ስዕረት ካባ ተኸዲኖም ሓፊሮም እዮም።
ኢትዮጵያ ብሉኣላውነታን ብብሄራዊ ረብሓታታን ፈፂማ ከምዘይትደራደር ብተግባር ኣርእያ እያ። ብፍላይ ድማ ናይ ክልቲኦም ዓበይቲ ማያት ማለት እውን ተበፃሕነት ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ጉዳይ ማእኸል ህልውናን ብሄራዊ ረብሓን እታ ሃገር ኮይኖም ኣለዉ።
ሓይልታት ወፃኢ ነዞም ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ብምጥቃም እታ ሃገር ንምቑላፍን ብኢኮኖሚ ይኹን ፖለቲካዊ መዳይ ንምጥቕላል ዝኸፈትዎ ዲፕሎማስያዊን ኢኮኖሚያዊን ወፍሪ ፈሺሉ እዩ። ኢትዮጵያ ብፅኑዕ ቅዋማ ረብሓታታ ከምዝኽበርን ኣብቲ ዞባ መሪሕ ተራ ሓይሊ ሚዛንን ከም ዘለዋ ኣረጋጊፃ እያ።
ንምኽባር ህልውና ሃገር ቀዳምነት ዋጋ ዝኸፈለ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዩ። እቲ ሰራዊት ብዘርአዮ ጅግንነት፣ ቆራፅነትን ስትራቴጂካዊ ጥበብን፣ ሓድነት ሃገር ንምፍራስ ዝመፅኡ ኩሎም ፀላእቲ ቀጥቂጡ እዩ።
ምስ ባዕዳውያን ሓይልታት ብምትሕብባር ሉኣላውነት ሃገር ኣሕሊፎም ንምሃብ ዝፈተኑ ውሽጣዊ ባንዳታትን ከሓድቲን ድፋዖም ፈሪሱ ክበታተኑ ተገይሩ እዩ።