ኢትዮጵያ ኣርአያ ዝኸውን ለውጢ እናምፀአት ትርከብ – ፕሬዚዳንት ጉዳያት ዲያስፖራ ዩጋንዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንት ኣርአያ ዝኸውን ለውጢ እናምፀአት ትርከብ ኢሎም ፕሬዚዳንት ጉዳያት ዲያስፖራ ዩጋንዳ መሓመድ ባጎንዛ።
እቶም ፕሬዝዳንት ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ኣፍሪካ መመሓየሺታት ኣብ ምክያድ ቀዳመይቲ ሃገር ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
መዲና ኣፍሪካን መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካን ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ሪፎርም ካብታ ኣህጉር መሪሕ ኢያ ኢሎም።
በዚ ድማ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን እውን ኣርኣያ ዝኸውን ለውጢ እናምፀአት ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ኣህጉራዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ሓበራዊ ኣጀንዳ ኣፍሪካ ንምስጓምን ልዑል ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ኣብታ ሃገር እናተወገኑ ዝርከቡ ህንፀታት መሰረተ ልምዓት ኣዚዮም ዘደንቑ ከምዝኾኑ ብምሕባር፥ በቲ ስሥሕ ከምዝተደነቑ እውን ተዛሪቦም።
ብዮናስ ጌትነት