Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ኮይና ምምራፃ ዓወት ኩሉ ኣፍሪካ እዩ – በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ኮይና ምምራፃ ዓወት ኩሉ ኣፍሪካ እዩ ኢሉ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሞንትሪያል ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ መበል 43 ፍሉይ ጉባኤ፤ ልዑል ድምፂ ብምርካብ ኣባል ቤት ምኽሪ እቲ ትካል ኮይና ተመሪፃ እያ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ዮሃንስ ኣበራ፤ እዚ ዓወት ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ኣፍሪካ እዩ፤ ኣፍሪካ ብሓደ ድምፂ ብምዃን ሕፁያ ናብ ልዑል ውፅኢት ዘብፀሐትሉ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ ኢሎም።

ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ምዃንና ዓለም ለኸ መለክዒታትን ፖሊሲታትን ኣቪዬሽን ኣብ ዝውሰነሉ መድረኽ ብቐጥታ ድምፅና ንምስማዕ፣ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ኣቪዬሽን እታ ኣህጉር ንምስጓምን ሃገራዊ ረብሓና ንምሕላውን ዘኽእለና እዩ እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ነዚ ሓላፍነት ከም ሓደራ ኩሉ ኣፍሪካ ብምቑፃር ክትዋፅኦ እያ ክብሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.