ኣብ ቀፃሊ ዝካየዱ ዓለም ለኸ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ፍፃመታት ብዓወት ንኽካየዱ ምድላው ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዓበይቲ ዓለም ለኸ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ፍፃመታት ብዓወት ንኽዛዘሙ ምድላው ተገይሩ ኢሉ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን።
እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ፤ እቶም ፍፃመታት ብዓወት ንኽዛዘሙ ብዛዕባ ዝተገበሩ ምድላዋት ዘተ ኣካይዱ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌደራል ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየድ መበል 26 ዓለም ለኸ ጉያ ጎደና፣ ሰራዊት ፖሊስ ምድላዋቱ ዛዚሙ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ።
14 ሕዳር 2019 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየድ 5ይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ዝካየዱ ስራሕቲ ፀጥታን ምኽባር ሕጊ ትራፊክን ብምትሕብባርን ብፅኑዕ ዲሲፕሊንን ክምርሑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሃገርና ዝካየዱ መበል 21 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት ዓበይቲ ዓለም ለኸ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ጉባኤታትን ብሰላም ንኽዛዘሙ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ኣልዒሎም።
ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን እቲ ትልሚ ፀጥታ ኣብ ተግባር ከምዘውዕል ብምግላፅ፤ ሕብረተሰብ ዝተለደ ምትሕብባሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ።