ኢትዮጵያ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ወርቂ ዝወሃቦ ዓለም ለኸ ውድድር ንኽተሰናድእ ተሓሪያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ወርቂ ዝወሃቦ ዓለም ለኸ ውድድር ንኽተሰናድእ ተሓሪያ።
ኢትዮጵያ ኣብ 2027 ዝካየድ ደረጃ ወርቂ ዘለዎ ዓለም ለኸ ውድድር ንኽተሰናድእ ኢያ ተመሪፃ ዘላ።
ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ነቲ ውድድር ክተሰናድእ ዝወሰነላ ደረጃ ነሓስ ዘለዎ ንፈለማ እዋን ውድድር ግራንድ ፕሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብብቕዓት ብምትእንጋዳ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ ትሕቲ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝካየዱ ናይ ወርቂ ደረጃ ውድድራት ኣብ 21 ከተማታት ዓለም ዝካየዱ እንትኾኑ÷ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ዝርዝር ክትኣቱ ዝኻለት ሳልሰይቲ ኣፍሪካዊት ከተማ ኮይና።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ግራንድ ፕሪ 2026 ሎሚ መዓልቲ ፍፃምኡ ረኺቡ።