Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ነበር ህወሓት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣካይዳ ኣዕናዊነት እቲ ጉጅለ ንዓለም ዘቓልዐ እዩ – ውድብ ስምረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኣመራርሓ ነበር ህወሓትን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ ነቲ ናይቲ ጉጅለ ኣኽራርነትን ኣካይዳ ኣዕናዊነቱን ንማሕበረሰብ ዓለም ዘቃልዐ እዩ ኢሎም ኣባል ቤት ምኽሪ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ስምረትን ምክትል ኣካቢ ዘፈር ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኣመራርሓ ነበር ህወሓትን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን እገዳ ቪዛ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ ኣላ።
ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ስጉምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ውሽጢ ዘሎ ኣኽራሪ ጉጅለ ነበር ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ብምፍራስ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ኩናትን ምግፋዕን ውዲትን ብግቡእ መገዲ ከምዝተረድኦ ዘርእይ እዩ፡፡
ኣሜሪካ እቲ ስምምዕነት ሰላም ካብ ዝፍረም ኣትሒዛ ብቐረባ ክትከታተሎ ከምዝነበረ ዘርእይ ውሳነ መረጋገፂ እዩ ኢሎም።
እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ብምፍራስ ግዚኡ ዝሓለፎን ዝፈረሰን ቤት ምኽሪ ዳግማይ ብምጥያሽ ብገዛ ርእሱ ፕሬዚዳንትን ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራትን ከም ዝመረፀን እዚ ድማ ንጎንፂ ምድላው መርኣያ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምድላዋትን ስግኣት ኲናትን የካይድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ስለዝኮነ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንደለይቲ ሰላም ዓብዩ ዜና ምዃኑ ብምሕባር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስእነት ሰላምን ኲናትን ዝድግፍ ጉጅለ ፈልዩ ዝወቕዐ እዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.