Fana: At a Speed of Life!

ኣብታ ከተማ 350 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም 350 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ ናይ እቶት መሰረት ብምስፋሕ ዝእከብ ኣታዊ ፍትሃዊነትን ብዝሓለወ መልክዑ ክእከብ ንምግባር ብትኹረት ተሰሪሑ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት እቶተ 350 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ገሊፀን፡፡

ኣተኣኻኽባ እቶት 2ዐ18 ምስ በጀት ዓመት 2017 ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ116.3 ቢሊዮን ብር ወይ እውን 50 % ሓለፋ ከምዝረአየ ኣመልኪተን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንከፈልቲ ግብሪ እታ ከተማ ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.