ኣብ ኣኽሱም ስሩዕ ትምህርቲ ብዕሊ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣኽሱም ስራሕ ስሩዕ ምምሃር ምስትምሀር ብዕሊ ተጀሚሩ ኢሎም ከንቲባ ከተማ አክሱም አይተ ፍፀም ለገሰ።
ከንቲባ ከተማ አክሱም አይተ ፍፀም ለገሰ ከምዝበልዎ ዘይሕጋዊ ህወሓት ብሰራዊት ምክልኻል ድሕሪ ምውጋዱ አብታ ከተማ አንፃራዊ ሰላም ተፈጢሩ አሎ።
በቲ ተፈጢሩ ዘሎ አንፃራዊ ሰላም አብታ ከተማ ዝርከባ አቢያተ ትምህርቲ መንግስትን ውልቀን ስሩዕ ምምሀር ምስትምሀር ጀሚረን ኢሎም።
ኣብታ ከተማ ዝርከባ ልዕሊ 30 ዝኾና አቢያተ ትምህርቲን ስሩዕ ምምሀርን ምስትምሀርን ምጅማረን ተዛሪቦም ።
አብተን አቢያተ ትምህርቲ ዘምህሩ መምሀራን ዘለዎም ፀገም ተፃዊሮም አብ ስሩዕ ምምሃር ምስትምሀር ብምርካቦም ንኢዶም።
ወለዲ ስሩዕ ምምሀር ምስትምሀር ምጅማሩ ፈሊጦም ግቡእ ምትሕብባር ምግባሮም ዝሓበሩ እቶም ከንቲባ ዛጊድ ዘይተመዝገቡ ተምሃሮ እንተልዮም ክምዝገቡ ከምዝግባእ ኣታሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ከምኡ እውን ከተማ ኣኸሱም ምሉእ ሰላምን ምርግጋእን ዓሲልዋ ንክትቅፅል ኩሉ ነባራይ እታ ከተማ ግቡእ ምትሕብባር ንኸገብርን ፃውዒት ኣቕሪቦም።