Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት በዓል ሓዱሽ ዓመት ባዛር ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 28፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት በዓል ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ባዛር ብዕሊ ኣጀሚሮም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ዓውዲ ዕድጊት እቲ ቢሮ ፀጋዬ ደበላ ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንናህሪ ዋጋ ካብ ምክልኻልን ፍትሓዊነት ስርዓት ንግዲ ካብ ምርግጋፅን ኣንፃር፣ ግሁድ ውፅኢት ንምምዝጋብ ዘኽእሉ ብዙሓት ተግባራት ተፈፂሞም እዮም።

ኣብዚ እዋን ፀገም ኣቕርቦት ከምዘየለ ብምግላፅ እቲ በዓል ከም ሰበብ ብምግባር ኣብ ፍርያት ዘይግባእ ዋጋ ወሰኽ ዝገብሩ፣ ፍርያታት ዝኽዝኑን ዝሓብኡን ኣካላት መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊፆም።

ብምኽንያት በዓል ሓድሽ ዓመት ዝተኸፍቱ ባዛራት ኣብ ኩለን 11 ክፍለ ከተማታት ከምዝተዳለዉን ብቑዕ ፍርያታት ከምዝቐረበን ብምግላፅ፣ ነበርቲ እታ ከተማ ናብቶም ባዛራት ብምምፃእ ክተዓዳደጉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ባዛራት በዓል ካብ ሎሚ ነሓሰ 28 ቀን 2018 ዓ.ም ጀሚሮም ክሳብ ጳጉሜን 5 ንሕብረተሰብ ክፉታት ኮይኖም ኣገልግሎት ከምዝህቡ ሓበሬታ እቲ ቤት ፅሕፈት የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.