ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ን68 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ን68 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ቤት ፅሕፈት ስራሕን ክእለትን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ሚልዮን ማቴዎስ ከምዝገለፁዎ፤ ኣብታ ከተማ ኣብዚ በጀት ዓመት ንኣስታት 375 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ።
ኣንፈት ብዝኃ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ዲጂታል ልምዓትን ንምፍጣር ዕድላት ስራሕ ልዑል ውፅኢት ከምዘመዝገበ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ስልጠና ክእለትን ቴክኒክን ዝወሰዱ ዜጋታት ናብ ስራሕ ንኽኣትዉ፤ ልቓሕ፣ መስርሒ ቦታን ካልኦት ተዛመድቲ ሓገዛትን ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሮም።
ልምዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዕዳጋ ስራሕን ሰራሕተኛን ብምቅልጣፍ መናእሰይ ተወዲቦም ልዑል ውፅኢት ከምፅኡ ዘኽእሎም ወሰንቲ ዕድላት ይፈጥር ከምዘሎ እውን ገሊፆም።
ምስ ሕቶ ልምዓት እታ ከተማ ዝተኣሳሰሩ ስልጠናታት ክእለትን ቴክኒክን መናእሰይ ብምስፋሕ ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተ ምምዕባል ክእለት ትኹረት ተዋሂብዎ ከምዘሎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።