Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ትካላት ኣፍልጦን ሽልማትን ተበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ብምስራሕ ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ቢሮታት፣ ትካላት፣ ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን ኣፍልጦን ሽልማትን ኣበርኪተን።

ብመሰረት እዚ፦

ኣባል ካቢኔ ካብ ዝኾኑ ቢሮታት፦ (ተሸለምቲመኪና)

1ይ. ቢሮ ሰላምን ፀፅታን

2ይ. ቢሮ ጥዕና

3ይ. ቢሮ እቶትን ስራሕቲ ዲዛይንን ህንፀትን

4ይ. ቢሮ ትምህርቲ

5ይ. ፍሉይ ተሸላሚ ዝኾነ :- ማእኸል መማዕበሊ ክእለትን ተሃድሶን ናይ ፅባሕ ደቂ ኣንስትዮ

ካብ ክፍለ ከተማታት፦ (ተሸለምቲመኪና)

1ይ. ቦሌ ክፍለ ከተማ ቦሌ

2ቦሌ. ክፍለ ከተማ ለሚኩራ

3ይ. ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ

ኣባላት ካቢኔ ካብ ዝኾኑ ትካላት፦ (ተሸለምቲመኪና)

1ይ. በዓል መዚ ምኽባር ደምቢ

2ይ. በዓል መዚ መገዲታት

3ይ. በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን

4ይ. በዓል መዚ ኣሽከርካሪን ተሽከርካሪን

5ይ. ኤጀንሲ ምሕደራ ፅሬት እንትኾኑ

ካብዚ ብተወሳኺ 33 ወረዳታት፣ ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ካብ ሕድ ሕድ ወረዳ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ዘለወን ተሸለምቲ ኮይነን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.