Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ተሳትፎ ህዝቢ ብምዕባይ ዝተሰርሐ ስራሕ ምርግጋእ ኣምፂኡ – ቴዎድሮስ ኣረጋይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ተሳትፎ ህዝቢ ብምጥንኻር፣ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ስራሕ ብምርኣይን ብዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምንቅስቓስን ኣብ ክልል ትግራይ ለውጢን ምርግጋእን መፂኡ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢኮኖሚን ዳግመ ህንፀትን በዓል ዓደራ ምምሕዳር እቲ ክልል ቴዎድሮስ ኣረጋይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክሳብ ሕዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዘካየዶም ስራሕቲን ዝተመዝገቡ ውፅኢታትን ኣፈፃፅማኦ ገምጊሙ።

ቴዎድሮስ ኣረጋይ (ዶ/ር) ንሓፈሻዊ ንጥፈታት እቲ ምምሕዳር፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕ ዝተኻየዱ ተግባራትን ከይዲ ኣፈፃፅማን ዝምልከት ፀብፃብ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪቦም።

ተሳትፎ ህዝቢ ምዕባይን ንረብሓ ህዝቢ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ብዝሐሸ ኣፈፃፅማ ምክያድን ንለውጢን ምርግጋእን እቲ ክልል ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዝረአ ዘሎ ለውጢ ተሳትፎ ህዝቢ ብምጥንኻርን ብዝተዋደደ ኣፈፃፅማ ስራሕ ብምቕፃልን ዝያዳ ክዓቢ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ገምጋም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፖለቲካን ኣወዳድባ ህዝቢን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሃለፎም፣ 11 ነጥቢ ዝሓዙ ልኡኽቶታት እቲ ምምሕዳር ብዝርዝር ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እዚ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝተውሃቦ ሓላፍነት መሰረት ብምግባር ዘካይዶም ዋና ዋና ተግባራትን ኣንፈታት ስራሕን ኣብሪሆም።

እቶም ልኡኽቶታት ኣብ ኣንፈት ስራሕ እቲ ምምሕዳር ግልፅነት ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ፤ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ምምሕዳር ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር ዘለዎም ግደ ኣልዒሎም።

ፀብፃብን መብርሂን እቶም ኣመራርሓ ሓፈሻዊ ኣንፈት ስራሕ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝተኻየዱ ተግባራትን ንምግምጋም መበገሲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.