ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ኣሚር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣል-ታኒ ኳታር ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኣሚር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣል-ታኒ ኳታር ኣብ ጎድና ጎድኒ ጉባኤ መራሕቲ ኮፕ31 ተዛቲዮም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፤ ዘተና ናይ ነዊሕ እዋን ርክባትና ብዝበለፀ ንምጥንኻን ሓበራዊ ዓቕሚ ምልማዕ ኣብ ዘለዎም ዘፈራት ዘለና ምትሕብባር ንምድንፋዕ ዝዓለመ ነይሩ ኢሎም።