ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንቑሕ ተሳትፎ ክንገብር ኢና – ነበርቲ ከተማ መቐለ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንቑሕ ተሳትፎ ክንገብር ኢና ኢሎም ነበርቲ ከተማ መቐለ።
ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ከተማ መቐለ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከም ዝገለፁዎ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብዘለዎ ፃምእ ስልጣን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ከቢድ ስቓይ ኣቃሊዕዎ።
ግዳይ ኣገዳዲ ግፋ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብምዃን ናብ ውግእ ዝኣተወ ኣፈወርቂ ኣስገዶም፡ ናብ ውግእ ምሰእተዉኒ ናይ ምህዳም ዕድል ስለ ዝረኸብኩ እቲ ካብ ጉጅለ ዝሓሰቦ ናይ ጥፍኣት ተግባር ድሒነ እየ ኢሉ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ጨቋኒ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ዓፋኒ፣ ቀታሊን ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ድሑር ጉጅለን እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ክልል ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበራ ሰላማዊ ኩነታት ንኽትምለስ መንግስቲ ፌደራል ዝጀመሮ ፃዕሪ ብምትሕብባር ምጥንኻር ከም ዘድሊ ብምሕባር፤ ብፅሒቱ ንምውፃእ ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፁ።
እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኩነታት ኣዝዩ ኣፀጋሚ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረት ካሊእ ነባሪት ከተማ መቐለ ዝኾነት ብርሃን ገ/ጨርቆስ ብወገና፤ ህዝቢ እናተሳቐየ፣ እናጠመየን እናተጨነቐን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መናእሰይ ብግዲ ይገፍፍ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺራ።
እዚ ኩነታት ነበርቲ ንፀገም ኣቃሊዕዎም ከም ዝነበረ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ክልል ትግራይ ምርግጋእ ከም ዝተፈጠረ ገሊፃ።
ህዝቢ ክልል ትግራይ ብዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝወረዶ በደል ንምኽሓስ ዘላቒ ሰላም ንኽዓስል ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምትሕብባር ንምስራሕ ተዳልዩ ከም ዘሎ እውን ገሊፃ።
ተኽላይ መሰለ ዝተብሃለ ነባሪ ብወገኑ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብዘለዎ ፃምእ ስልጣን ንህዝቢ ኣብ ዘይግባእ መከራን ስቓይን ኣእትይዎ ፀኒሑ ኢሉ።
ብዛዕባ ፀገማት ህዝቢ ዘይግደስን ህፃናት ካብ ሕቑፊ ኣዴታቶም እናመንጠለ ናብ ኲናት ዘዳጉንን ዝነበረን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን የስምዖ ብዝነበረ ጎስጓስ ኲናት፤ ኣብ ስግኣት ኣትዮም ከም ዝነበሩ ዝዘከረ ተኽላይ፤ ሕዚ ግና መቐለ ሰላም ኣየር ምትንፋስ ጀሚራ ኣላ ኢሉ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሉ ነገር ብቕልጡፍ ናብ ዝተረጋግአ ኩነታት ተመሊሱ ኣሎ ኢሉ። እዚ ምምላሱ ከም ዘሐጎሶ እውን ገሊፁ።
ዝተማለአ ሰላምን ርግኣትን ንኽፍጠር ካብቲ ፌደራል መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብተወሳኺ፤ ማሕበረሰብ እቲ ክልል ሓዊሱ ዝምልከቶም ኣካላት እውን ግደኦም ክዋፅኡ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።