Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝጠልቡ ወገናት ካልኣይ ዙር ሓገዝ እናተጓዓዓዘ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ብምኽንያት ለውጢ ኩነታት ኣየር ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝጠልቡ ወገናት ካልኣይ ዙር ሓገዝ እናተጓዓዓዘ ይርከብ ኢሉ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ።

ኣብ ክልል ዓፋር ቀዳምነት ንዝወሃቦም ወገናት ካልኣይ ዙር ሓገዝ ንምብፃሕ፤ ሎሚ ካብ ማእኸላይ መኽዘን እኽሊ ኣዳማ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ናብቲ ከባቢ ተበጊሰን።

እቲ ክልል ብዓቕሙ ምላሽ ንምሃብ ፃዕሪ እናገበረ እንትኸውን፤ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ እውን ቀዳምነት ንዝወሃቦም ወገናት ሓገዝ እናበፅሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣቐዲሙ እናሀቦ ዝነበረ ሓገዝ ብምጥንኻር ተፈጥሮኣዊን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ብዓቕሚ ሃገር ምላሽ ናይ ምሃብ ፃዕሩ ከምዝቕፅል ኣመልኪቱ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ቀዳምነት ሓገን ንዝጠልቡ ወገናት ይለኣኽ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ክበፅሖም ከም ዝግበር እቲ ኮሚሽን ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.