እቲ ሃገራዊ ዘተ ህልውና ሃገር ንምቕፃል ወሳኒ ታሪኻዊ ዕድል እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል፣ ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕን ሓድነት ሃገር ንምጥንኻርን ዋና መፍትሒ እዩ፡፡
ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምኽሪ ቤት ፌደሬሽን በላይ ወዲሾ (ዶ/ር) ንለፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሃገራዊ ዘተ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ዘይምርድዳኣት ብሓይሊ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብዝርርብ ንምፍታሕ ዘኽእል ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ዝፈጠረ ኢዩ፡፡
ዕጥቂ ተሓንጊጦም ናብ ጫካ ዝወፅኡ ኣካላት እኳ ዝሓዙዎ ኣጀንዳ ሒዞም ብሰላማዊ መገዲ ንኽላዘቡ ዕድል ዝፈጠረን ታሪኻዊ ማሕለኻ ዝተሓለፈበሉ ከይዲ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾኑ ኣራሪዮ ሞሲሳ ብግደኦም÷ እቲ ሃገራዊ ዘተ ካብ ዝነበርናዮ ፀገምን መከራን መውፅኢ መገዲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ፀገም ዝፈጥሮ ይኹን ዝፍታሕ ብሰብ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሃገራዊ ዘተ ሕቶ ብዝሰልጠነ መገዲ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብምልዛብ መፍትሒ ዘመላኽት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ካብ ታሕተዎት ትካላት ትምህርቲ ጀሚሩ ኣብ ትውልዲን መናእሰይን ምስራሕ ከምዝግባእ ዘገንዘቡ ድማ ኣካቢ ካውንስል ኣመንቲ ወንጌል ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ቄስ ጌታሁን ተክሌ እዮም፡፡
ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዕሊ ምጅማሩ ይዝከር፡፡
ብዮናስ ጌትነት