ኮሚሽን ጉምሩኽ ብ10 ኣዋርሕ ልዕሊ 600 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣብ ዝሓለፉ ብ10 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 600 ቢሊየን 233 ሚሊየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ፡፡
ኮሚሽነር ደበሌ ቃበታ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ኮሚሽን 102 ሚኢታዊ ናይቲ ትልሚ አዕዊቱ።
እቲ ኮሚሽን ተኸታታሊ ስራሕቲ ሪፎርም ነዚ ዓወት ቀዳማይ ብፅሒት ከምዝወስዱ ኣብሪሆም።
ናይዚ ዓመት ኣፈፃፅማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 256 ቢሊየን ብር ሓለፋ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።
እቶም ኮሚሽነር ብዘይሕጋዊ ተግባር ምጭብርባር ክትስእኖ ዝነበረት 228 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ብምዕብርባር ኮንትሮባንድን ንግዲን ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ቁፅፅር 1 ሺሕን 295 ውልቀሰባት ናብ ሕጊ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ኣልዒሎም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ