Fana: At a Speed of Life!

ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘመናዊ ድኹዒ ህንዲ ዘሕደሮ ፅዕንቶ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ኣፍራይነት ዘመናዊ ድኹዒ ህንዲ 24 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምንካዩ ተሓቢሩ፡፡
ኢራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ምዕፃዋ ስዒቡ ህንዲ ዘመናዊ ድኹዒ ንምፍራይ እትጥቀመሉ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ እኹል ተበፃሕነት ዘይምህላዋ ኣብ ምፍራይ ድኹዒ ኣሉታዊ ፅልዋ ምሕዳሩ ተገሊፁ።
ሚኒስትሪ ንግዲ ህንዲ ከምዘፍለጦ፤ ናይ ሎሚ ዓመት ምህርቲ ድኹዒ ምስቲ ኣብ 2025 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ24 ነጥቢ 6 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ንግዲ ፁመናዊ ድኹዒ እታ ሃገር ካብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝነበረ 4 ነጥቢ1 ሚእታዊ ወሰኽ ሕዚ ናብ 3 ነጥቢ4 ሚእታዊት ከምዝወረደ ተሓቢሩ።
ኣብ ዓለም ብብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ህንዲ 45 ሚእታዊት ሓይሊ ሳባ ኣብ ሕርሻ ተዋፊሩ ከምዝርከብ ዘ ፔኒንሱላ ፀብፂቡ።
ብሚኪያስ ኣየለ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.