Fana: At a Speed of Life!

ውርይቲ ድምፃዊት ኣልማዝ ተፈራ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ውርይቲ ድምፃዊት ሳጅን ኣልማዝ ተፈራ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ፡፡

ድምፃዊት ኣልማዝ ተፈራ ብዝሓደራ ሕማም ክትትል ሕክምና እናገበረት ድሕሚ ምፅናሕ እያ 16 ሓምለ 2018 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ፡፡

ድምፃዊት ኣልማዝ ኣብ ነገሌ ቦረና ተወሊዳ ዝዓበየት እንትትከውን÷ ዕድሚኣ ንትምህርቲ እንትበፅሕ ድማ ኣብ ከተማ ይርጋለም ትምህርታ ተኸታቲላ።

ካብዚ ብምቕፃል ባንድ ፖሊስ ኦኬስትራ ጅማ ካብ ምስረታኡ ጀሚሩ ንብዙሓት ዓመታት ብድምፃዊነት፣ ግጥሚን ዜማን ብምድራስ ከምኡ እውን መሳርሒ ሙዚቃ ጃዝ ብምፅዋት ኣገልጊላ።

ድምፃዊት ኣልማዝ ተፈራ፤ ‘ጅማ ላይ ነው ቤቱ’፣ ‘ኣካል መውደድ’፣ ‘የፍቅር ፅገሬዳ’ን ካልኦት ተፈተውቲ ስራሕቲ ሙዚቃኣ ትፍለጥ።

ድምፃዊት፣ ፃራሲት ግጥሚን ዜማን ኣርቲስት ኣልማዝ ተፈራ ኣዶ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ነይራ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ እታ ውርይቲ ድምፃዊት ኣልማዝ ተፈራ ሎሚ መዓልቲ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ መካነ መቃብር ቅዱስ ዮሴፍ ከምዝፍፀም ካብ ስድራኣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብወርቅኣፈራው ያለው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.