Fana: At a Speed of Life!

ዓቕሙ ዝጎልበተ ትካል ሜቲዎሮሎጂ ምህናፁ ክሌማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ጉድኣት ንምንካይ የኽእል – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓቕሙ ዝጎልበተን ቅድመ ሓበሬታ ዝህብን ትካል ሜቲዎሮሎጂ ምህናፁ ክሌማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ጉድኣት ንምንካይ ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ እቲ ትካል ሕዚ ዘለዎ ቅርፂ ሒዙ ዝተጣየሸ ቅድሚ 46 ዓመታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1980 እንትኸውን፤ ቅድሚኡ ኣብ ትሕቲ ኣቪዬሽን ብብርኪ ዲፓርትመንት ምስ ዝፀንሐሉ ግዘ እንትድመር ልዕሊ 70 ዓመታት ዕድመ ኣገልግሎት ከምዘለዎ ገሊፆም።

ከምዚ ዝበሉ ትካላት ልዑል ትኹረት ተዋሂቡዎም ትካላዊ ቕሞም እንተዘይጎልቢቱ ከስዕቡዎ ዝኽእሉ ሃገራዊ ጉድኣት ልዑል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1987 ዝነበረ ድርቂን ናይዚ ዓመት ኩነታት ኤልኒኖን ንኣብነት ብምልዓል፤ ክልቲኦም ኣጋጣሚታት ብብርኪ ትንበያ ዝተቐራረበ ፅዕንቶን ጉድኣት ከስዕቡ ዝኽእሉን ከምዝነበሩ ኣብሪሆም።

ዓቕሚ እቲ ትካል እናተጠናኸረ ምምፅኡ፤ ሓበሬታ ብእዋኑ ሓበሬታ ምሃቡን መንግስቲ ኣቐዲሙ ንኽዳሎ ከምዘኽአለን መጠን እቲ ጉድኣት ምንካይ ከምዘኽአለ ብውፅኢት ደረጃ ድማ ኣብ 1987 ዝነበረ ድርቂን ኣብዚ ዓመት ዘሎ ዓወትን ዘይወዳደሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣቐዲሙ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ሜቲዎሮሎጂ መሰረት ብምግባር ንምድላው ዕድል ስለዝተረኸበ፤ ኣብዚ ዓመት እዋን ክረምቲ ዝተተለመ ትንበያን ዝተረኸበ ውፅኢት ፍርያት ዝራእቲን ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣብ ሓበሬታ ብምምርኳስ ትልሚ ንምምውፃእን ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕን ከም ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ዝበሉ ትካላት ኣድላይነቶም ኣዚዩ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦምሉ፡፡

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.