ዕንክሊል ፖለቲካ ነበር ህወሓት፣ ካብ ታሪካዊ ስሕተት ናብ ዓርሰ ቅትለት ጉዕዞ
ዕንክሊል ፖለቲካ ነበር ሕወሓት፣ ካብ ታሪካዊ ስሕተት ናብ ዓርሰ ቅትለት ጉዕዞ
ነበር ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሓደሽቲ ለውጢታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ተቐቢሉ ንርእሱ ክሕድስ ኣይከኣለን፡፡
ኣብዚ ዘበን ኮይኑ ንሓዱሽ ትውልዲ ነባር ወያናይ ዴሞክራሲ ክዝምር ይሓስብ፡፡
እዚ ኣካይዳ እቲ ጉጅለ ርእሱ ኣብ ክንዲ ምሕዳስ ናብ ርእሰ ቅትለት ምስግጋሩ የርኢ፡፡
ገታር ኣተሓሳስባ እቲ ጉጅለ፣ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሓባር ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ ምስክር ኢዩ፡፡
እቲ ጉጅለ ነዚ ኣጥፋኣይ ዕንክሊል ፖለቲካ ሰቢሩ ክወፅእ ኣይከኣለን፡፡ ውሽጣዊ ዴሞክራሲ እንተዘዕስል፣ ሓዱሽ ኣመራርሓን ኣተሓሳስባን እንተዝክእ፣ ከምኡ እውን ንሰላምን ንልዕልነት ሕጊን ሙሉእ ብሙሉእ ተገዛኣይ እንተዝኸውን ናይ ምድሓን ዕድል ክህልዎ ነይሩ፡፡
ነገር ግን ጉዕዞ ፖለቲካ ነበር ህወሓት እንትግምገም፣ እቲ ትካል ካብዝሓለፉ ታሪኻዊ ስሕተታቱ ተኣሪሙ ንርእሱ ኣብ ክንዲ ምሕዳስ፣ ኩሉግዘ ናብ ኣጥፋኣይ ፖለቲካዊ ዕንክሊል ናይ ምምላስ ልምምድ ይረኣዮ።
እዚ ዕንክሊል ንባዕሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝቢ ትግራይን መላእ ኢትዮጵያን ልዑል ዋጋ እናኽፈለ ይርከብ።
እቲ ጉጅለ ካብ ዝተፈጠረላ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ካብ ዕንክሊል ፖለቲካ ክወፅእ ኣይከኣለን፡፡
ነበር ህወሓት መሰረታዊ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ኣብ ክንዲ ምትእንጋድ፣ ምክፍፋልን ሓደ ነቲ ካሊእ ናይ ምጉዕፃፅን ልምዲ ኣለዎ።
ካብ ዝሓለፉ ናይ ታሪኽ ስሕተታቱ ዘይምምሃሩ ዘርኢ፣ ድሕሪ ምብቃዕ ኵናት ሰሜን ዝተፈጠረ ናይ ሰላም ኣየር እኳስ ክቕፅል ዘይምድላዩ ኢዩ፡፡
እቲ ጉጅለ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ኣብ ትግራይን ኣብ ሞንጎ ልሂቃን እቲ ክልልን ዝፈጠሮ ወጥሪ፣ ሕዚ እውን ኣብ ዕንክሊል ፍሕፍሕ ስልጣን ከምዝተኣሰረ ዘርኢ ኢዩ።
ፖለቲካዊ ሕቶታትን ዘይምርድዳኣትን ነበር ህወሓት ብሰላማዊ ልዝበ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፣ ናብ ሓይሊ ኣማራፂ ናይ ምእታው ወልፊ ኣለዎ።
ኣብ 2013 ዓ.ም ዝተወለዐ መዕነዋይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ናይዚ ጉጅለ እኩይ ኣተሓሳስባ ውፅኢት ነይሩ።
ድሕሪ እቲ ኲናት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ነቲ ከባቢ ኣንፃራዊ ሰላም የምፅእ እምበር፣ ኣብቲ ጉጅለ ዘለዉ ኣካላት ሕዚ እውን ግዘ ካብ ዘሓለፎ ስነ ልቦና ዕጥቃዊ ቃልሲ ክወፅኡ ብዘይምኽኣሎም እቲ ዕንክሊል ኣቐፂሎምዎ፡፡
እቲ ጉጅለ ኣብ ቅልውላው ስልጣንን ፖለቲካን ኣብ ዝኣትወሉ ግዘ፣ ህዝቢ ትግራይ “ሓደጋ ህልውና ኣንፀላሊዩካ ኣሎ” ናብ ዝብል ስግኣት ምእታው ቀንዲ መሳርሒኡ ኢዩ።
ናይ ባዕሉ ስልታዊን ፖለቲካዊ ስሕተታት ብሙሉኡ ካብ ወፃኢ ዝመፅአ መጥቃዕቲ ኣምሲሉ ብምቕራብ፣ ብህዝቢ ዝለዓለሉ ተሓታትነትን ሕቶ ለውጢን ይዕፍን።
ጭቡት ኩነታት ዓለምን ኢትዮጵያን ብልዑል ቅልጣፈ እናተቐየሩ ይኹኑ እምበር፣ ነበር ህወሓት ግን ሕዚ እውን ኣብ 1960ታት ኣተሓሳስባ ተተኺሉ ጠጠው ኢሉ ይርከብ፡፡
ወያናይ ዴሞክራሲ ሕዚ እውን ሕልሙ ኢዩ፡፡ ከምዚ ዓይነት ገታር አተሓሳስባ ካብ ካልኦት ሓይሊታት ፖለቲካ እታ ሃገር ነፂሉዎ ኢዩ፡፡
እቲ ጉጅለ ካብ ዕንክሊል ንኽወፅእ ካብ ውሽጢን ደገን ተማዒዱ ኢዩ፡፡ ዕንክሊል ፖለቲካኡ ክስበር ዝኽእል እቲ ጉጅለ ካብ ዝሓለፈ ስሕተቱ ተማሂሩ ፍፁም ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ዘበናዊን ኣተሓሳስባ እንትቕበል ጥራሕ ኢዩ። ሕዚ እውን ግን እዚ ክገብር ብዘይምኽኣሉ ዝፀንሐ ዑደት ጥፍኣት ንባዕሉ ናብ ምጥፋእ እናወሰዶ ይርከብ፡፡
ፖለቲካዊ ዕንክሊል ህወሓት ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓሰርተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ስሕተት ስሕተት ዝደጋግመሉ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
ነዚ ሓደገኛ ዑደት ፖለቲካ ዋና ምኽንያታት ድማ ውድባዊ ኣፈጣጥሩኡ፣ ርእዮተ-ዓለማዊ ሓሳቡን ምስ ግዘ ሓቢሩ ዘይምዕባዩን ኢዮም።