Fana: At a Speed of Life!

ዘተሓሳስብ ፀገም መድሓኒት ብጀርምታት ምልማድ….

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፀገም መድሓኒታት ፀረ ተህዋስያን ብጀርምታት ምልማድ ልዑል ጠመተ ዘድሊዮ ዛዕባ ኢዩ ኢሉ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ።
ዳይሬክተር ህንፀት ዓቕሚ ላቦራቶሪ እቲ ኢንስቲትዩት ዳኒአል መለሰ፥ ኣብ ዓለም ካብ መንጎ ዘጋጥም ሞት እቲ 9 ሚኢታዊት ፀገም መድሓኒት ብጀርምታት ምልማድ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ፀገም ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ልዕሊ 21 ሺሕ ሰባት ንሞት ከምዘቃልዕ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ብመንግስቲ ፍሉይ ቆላሕታ ተዋሂቡዎ ይስረሐሉ ኣሎ ኢሎም።
ላቦራቶሪ መሰረት ዘይገበረ ኣወሃህባ መድሓኒት ነቲ ፀገም ንክጋደድ ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ብዮናስ ጌትነት
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.