Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ንምንባር ዘየሕእል ስርዓት ኣልቦነት ፈጢሩ ኣሎ – ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሓምለ 15 2018 (ኤፍ.ኤም.)ምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ስምረት ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ንምንባር ዘየሕ ስርዓት ኣልቦነት ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም።

ኣቶ ሃፍቱ ከም ዝበሉዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንመናእሰይ እቲ ክልል ንኻልኦት ኣሕሊፉ ምሻጥ ሓዊሱ ኣገዳዲ ወታደራዊ ግፋ ብምክያድ ከቢድ ግፍዕን መከራን የብፅሕ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ሕጊን ስርዓትን ብምፍራሱ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ገሊፆም። ከምኡ’ውን፣ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ሰላምን ርግኣትን ክረክብ፣ ናብ ልምዓት ገፁ ክምለስ ከም ዘኽኣሎ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንህዝቢ እቲ ክልል ናብ ሓደጋ የእትዎ ከም ዘሎ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምፍራስን ንግዝያዊ ምምሕዳር ብምግልባጥን ዘይሕጋዊ ተግባራት እናፈፀመ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብዝፈጠሮ ስርዓት ኣልቦነት ኣብ ልዕሊ መናእሰይ እቲ ክልል ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት እናፈፀመ ብግዲ ግፋ የካይድ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሰላምን ርግኣትን ህዝቢ ንምምላስ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ክትግበር ከምዘለዎ እውን ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ንግዜኢ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ኣገዳዲ ግፋ ንመናእሰይ ከባቢኦም ሓዲጎም ክስደዱ ይገብሮም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ብዝተወደበ መንገዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰላምን ድሕንነትን ንምሕላው ደው ክብል ከምዘለዎን እቲ ፀገም ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ፍታሕ ክረክብ ከምዘለዎን ኣገንዚቦም።

እቲ ሕገ-ወጥ ጉጅለ ኣብ ክልሉ ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላው ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ህዝቢ ብገዛእ ዓቕሙ ተወዲቡ ሰላሙን ድሕንነቱን ክሕሉ ከምዝግባእ ኣስገንዚቦም።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላው ብቕልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ከምዘለዎን ፌዴራላዊ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ሕጊን ስርዓትን ንኸረጋግፅን ፀዊዖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.