Fana: At a Speed of Life!

ዘይብዳህ ዓቕሚ ድሕንነት ሳይበር ምህናፅ ካብ ዕላማታት ዲጂታል 2030 ሓደ እዩ – ወ/ሮ ትእግስት ሃሚድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይብዳህ ዓቕሚ ድሕንነት ሳይበር ምህናፅ ካብ ዕላማታት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሓደ እዩ ኢለን ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ትእግስት ሃሚድ።

7ይ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር “ንቑሕ ዜጋ ድሕንነታ ንዝተሓለወ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ 1 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ክኽበር እዩ።

ኣብቲ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ ብብርኪ ዓለም መጥቃዕትታት ሳይበር እናወሰኹ ይመፁ ምህላዎም ብምግላፅ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዓመት ዘጋጥም ኢኮኖሚያዊ ክሳራ ካብ 9 ነጥቢ 5 ክሳብ 10 ነጥቢ 5 ትሪልየን ዶላር ከምዝበፅሕ ተዛሪበን።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ብቕልጡፍ እናሰፍሐ ብምምፅኡ፤ ኣብ ዜጋታት፣ ትካላትን ዋና ዋና መሰረተ ልምዓታትን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ሳይበር እናወሰኹ ይመፁ ምህላዎም ኣብሪሀን።

ኣብ 2018 ዓ.ም ጥራሕ ልዕሊ 71 ሺሕ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝተመዝገቡ ኣዘኻኺረን።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር፤ ድሕንነት ሳይበር ትካላትን ሕብረተሰብን ግንዛበ ምዕባይን እቲ ጉዳይ ዝግብኦ ትኹረት ክወሃቦ ምግባርን ምዃኑ ዳይሬክተር ትዕግስት ሃሚድ ገሊፀን።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.