Fana: At a Speed of Life!

ዘይፍትሓዊ ስምምዓት ክፍፍል ሃፍቲ ማይ ንምቕፃል ዝዓለመ ፕሮፓጋንዳ ግብፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ነዚ ዞባ ሓዱሽ ምዕራፍ ልምዓት ሓይሊን ምትሕብባርን ከፊቱ ኣሎ።

ይኹን እምበር መራኸብቲ ሓፋሽን መንግስታዊ ኣካላትን ግብፂ ነዚ ጉዳይ ከም ሕፅረት ማይ ብምቕራብ ፖለቲካዊ ፀቕጢ ንምፍጣር ይጥቀሙሉ ኣለዉ።

ምህናፅ እቲ ግድብ ንሱዳን ይኹን ንግብፂ ዝበፅሕ መጠን ማይ ፈፂሙ ኣይንክን።

ኢትዮጵያ ንሓፈሻዊ ስርዓት ዋሕዚ ማይ ሩባ ናይል ካብ 85 ክሳብ 86 ሚእታዊ ዝኸውን ማይ ተበርክት።

እዚ ልዑል ኣስተዋፅኦ ማይ ካብ በረኽቲ ቦታታት ኢትዮጵያ ዝፍልፍል ኮይኑ፤ ብፍላይ ኣባይ (ብሉ ናይል) ካብ ሓፈሻዊ ፍሰት ናይል ልዕሊ 59 ሚእታዊ ብፅሒት ይሕዝ።

እቲ ዝተረፈ መጠን ማይ ድማ ካብ ፃዕዳ ናይል ዘበርክቱዎ አንትኾኑ፤ ቀንዲ ፍልፍል ማይ ናይል ዝኾነት ኢትዮጵያ ንዘበናት ግቡእ መሰል ምጥቃም ብፅሒት ማያ ክትሓትት ፀኒሓ ነዚ ድማ ብግድብ ህዳሰ አዕዊታተቶ እያ።

ቀንዲ ዕላማ ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል እምብር ፍሰት ማይ ንምንካይ ኣይኮነን።

መንግስቲ መደመር ደጋጊሙ ከም ዝገልፆ፣ እቲ ግድብ ጠለብ ማይ ዘይውስኽ ስለዝኾነ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ማለት እውን ንሱዳንን ግብፂን ዝበፅሕ መጠን ማይ ካብ ነባር እንትነፃፀር ዝኾነ ይኹን ምንካይ ኣየርኣየን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ ግድብ ኣብ ሱዳን ንዓመታት የጋጥም ዝነበረ ሓደጋ ውሕጅ ንምቁፅፃር ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብር ኣሎ።

ይኹን እምበር መራኸብቲ ሓፋሽን ሰብመዚን ግብፂ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ጉዳይ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ ገይሮሞ ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ባድር ኣብደላቲ፤ ጉዳይ ድሕንነት ማይ ናይል ዘይድራደረሉ ጉዳይ ምዃኑ ገሊፆም።

እዚ ኹሉ ናይ ግብፂ ኣተሓሳስባ ካብ ማይ ኣባይ ብፍትሓዊ መገዲ ንምጥቃም ዘይኮነስ ዞባዊ ልዕልና ንመሓዝ ዝዓለመ ምዃኑ ብግልፂ የርኢ።

እቲ ጉዳይ ብግቡእ እንተተመልኪትናዮ ትኹረት ሰበ ስልጣንን መራኸቢ ሓፋሽን ግብፂ ኣብ መጠን ማይ ናይቲ ግድብ ዘይኮነስ፤ ኣብ ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፈረሙ ስምምዓት ተመርኲሶም ኣብ ዋሕዚ ማይ ሩባ ናይል ዝነበሮም ናይ ሓደ ወገን ፍሉይ ተረባሕነት ንምዕቃብ እዩ።

ኣካይዳ ግብፂ ታሪኻዊ ዘይፍትሓውነት ንምቕፃልን ሓዱሽ ዞባዊ ፖለቲካዊ ልዕልና ንምሓዝን ዝዓለመ እዩ።

ግብፂ ክሳብ ሕዚ ነቶም ኣብ 1929ን 1959ን ዝተፈረሙ ንኢትዮጵያ ዘየካተቱ ናይ ዘበነ ባዕዳዊ መግዛችቲ ኣድልዎ ዘለዎም ስምምዓት ብምፅራሕ መብዛሕትኡ ብፅሒት ማይ ክትቆፃፀር ኢያ ትደሊ።

እዚ ኣሰራርሓ ድማ ንፍትሓዊ መሰል ልምዓት ናይ ካልኦት ተፋሰስ ሃገራት ዝፃረር እዩ።

ግብፂ ጉዳይ ኣባይ ከም ማእከል ሃገራዊ ድሕንነታ ብምግባር፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕሪን ምስ ዘለዉ ካልኦት ፖለቲካዊ ጎንፂታት ብምትእስሳር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቕጢ ንምፍጣር ትጥቀመሉ ኣላ።

ብሓፈሻ ምዝዛም ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ፤ ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ሃፍቲ ብምጥቃም ዕጫኣን መፃኢኣን ክትውስን ዓቕሚ ከም ዘለዋ ዘርኢ እዩ።

ግብፂ ብምኽንያት እቲ ግድብ “ማይ ክጎድለኒ እዩ” እናበለት እትነዝሖ ፕሮፓጋንዳ ሳይንሳዊ መሰረት ዘይብሉ፣ እኳደኣስ ንዝሓለፉ ዘይፍትሓዊ ስምምዓት ክፍፍል ማይ ንምቕፃልን ኣብቲ ዞባ ልዕልና ንምሓዝን ዝግበር ፖለቲካዊ ምርኢት ጥራሕ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.