Fana: At a Speed of Life!

ዩናይትድ ኪንግደም ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ቢሊየን ብር ደገፍ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዩናይትድ ኪንግደም ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ቢሊየን ብር ደገፍ ገይራ፡፡
ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፤ ሓባራዊ ብልፅግናን ልምዓት ቢሮን እታ ሃገር እቲ ማሕበር ዝገብሮ ሰብኣዊ ምላሽ ዓቕምን ስራሕን ከምዘጠናኽር ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርክክብ ሚኒስተር ጥዕና ዶ/ር መቕደስ ዳባ፣ ኣምባሳደር ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልችን ከምኡ እውን ሓለፍቲ ስራሕ ቀይሕ መስቀልን ተረኺቦም።
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ደገፍ ፀገም ኣብ ዝፍጠረሎም ከባቢታት ብቕልጡፍ ንምብፃሕ ዘኽእል ምዃኑ ገሊፀን።
ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገበረ ብምሕባር፤ ነቲ ዝተገብረ ደገፍ ኣመስጊነን፡፡
ብቅድስት ብርሃኑ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.