Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣቀባብል ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዴንማርክ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ጉያ ጎደና ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣቀባብል ተገይሩሉ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ፌዴሬሽን ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሉ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ካብ ዓለም 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ከም ዝዛዘመት ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.