Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ምስ ስዊድን – ኮትዲቯር ምስ ኖርዌይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ 32 ሎሚ እውን ክቕፅሉ ኢዮም፡፡

ንምድባ ብፀብለልታ እናመርሐት ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት ፈረንሳይ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ሰዓት 6 ምስ ስዊድን ክትፃወት ኢያ፡፡

ንፅዋዕ ብቕድሚት ካብ ዝተገመታ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ክልተ ግዘ ናይቲ መድረኸት ተዓዋቲት ፈረንሳይ ናይ ሎሚ ፀወታ ክትስዕር ኢያ ዝብል ግምት ረኺባ ኣላ፡፡

ተጋጣሚታ ስዊድን ካብ ምድባ ኣርባዕተ ነጥቢ ብመሓዝ ዝሐሸት ሳልሰይቲ ብምዃን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት እንትኸውን፥ ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝተዓወተት ኣብ 16 ሃገራት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምስ ፓራጓይ ክትራኸብ ኢያ፡፡

ቅድሚ እዚ ፀወታ ምሸት ሰዓት 2 ብተመሳሳሊ ሽዱሽተ ነጥቢ ብመሓዝ ካብ ምድበን ናብ 32 ሃገራት ዝተፀምበራ ኣፍሪካዊት ሃገር ኮትዲቫርን ኖርዌይን ክራኸባ ኢየን፡፡

ኣርባዕተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ልዑል ሸቶ ካብ ዘመዝቡ ተፃወትቲ ሓደ ዝኾነ ኤርሊንግ ብራውት ሃላንድ ኣብቲ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ካብ ኮትዲቫርን ኖርዌይን ተዓዋቲት ናብ ርብዒ ፍፃመ ንምሕላፍ ምስ ብራዚል ክትፃወት ኢያ፡፡

ብኻሊእ መርሃ ግብሪ ኣሰናዳኢት ሃገር ሜክሲኮ ምስ ኢኳዶር ለይቲ ሰዓት 10 ክትፃወት ኢያ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.