Fana: At a Speed of Life!

ፈተናታት ክፃወር ዝኽእል ስርዓት ኢኮኖሚ ክንሃንፅ ክኢልና ኢና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ብምኽንያት ዝተኻየደ ስራሕ ሪፎርም ኢኮኖሚ ፈተናታት ክፃወር ዝኽእል ስርዓት ኢኮኖሚ ክንሃንፅ ክኢልና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

7ይ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽን መብርሂን ኣብ ዝሓለፉ 11 ዓመታት ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ክለሳ ተኻይዱ ከምዘይፈልጥ ገሊፆም።

ብምኽንያት እዚ ድማ ሓደሽቲ ዝተወሰኹ ዘፈራት ኢኮኖሚ ንምእታውን ግደ ዘይብሎም ዘፈራት ኢኮኖሚ ንምውጋድን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ልዑል ሓይሊ ሰብ ብምውፋር ክለሳ ኢኮኖሚ ክካየድ ፀኒሑ እዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢኮኖሚ ዘይተኻተቱ ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ ልምዓት ኮሪደር፣ ክላስተር ሕርሻ፣ ትሩፋት ሌማት፣ ተወሰኽቲ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ኢነርጂን ዝመዝን ስርዓት ከምዘይነበረ ኣዘኻኺሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኮንፈረንስ ቱሪዝም፣ መሰረተ ልምዓት ቱሪዝምን ካልኦት ዘፈራት ኣገልግሎትን ዝመዝን ስርዓት ከምዘይነበረ ብምሕባር፤ እቲ ክለሳ ነዚኦምን ካልኦትን ዘፈራት ብምክታት ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍርያት ኢትዮጵያ ብዝተቐመጡ መለክዒታት 210 ቢልየን ዶላር ብምብፅሑ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ካብ ደቡብ ኣፍሪካን ናይጀርያን  ብምቕፃል ሳልሳይ ዓብዪ ኢኮኖሚ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.