ኣብ መቐለ ኩሎም ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህቡ ተሽከርከርቲ ነዳዲ ክረኽቡ ተመዓራርዩ ኣሎ – ቢሮ ንግዲ እቲ ክልሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ኩሎም ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህቡ ተሽከርከርቲ ነዳዲ ክረኽቡ ተገይሩ ኢሉ ቢሮ ንግዲ ክልል ትግራይ።
ሓላፊ ቢሮ ንግዲ እቲ ክልል ኣይተ ተስፋይ ግርማይ ከምዝገለፁዎ፤ ኣብታ ከተማ ዝርከባ 750 ታክሲታት ብፍሉይ ኣብ ዝተመደባ መደበራት ነዳዲ ክረኽባ ይግበር ኣሎ።
ፍቓድ ካብ ዝረኸባ 15 መደብራት ነዳዲ እታ ከተማ እተን 12 ካብ ጅቡቲ ብምእታው ምክፍፋል ከምዝጀመራ ኣፍሊጦም።
ዕድጊት ነዳዲ ካብ ዘይሕጋዊ ሕልኽላኽ ንምድሓን ኣብ መደብራት ነዳዲ ቁፅፅር ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ኣቕረብቲ ነዳዲ ብዲጂታልዊ ኣማራፂ ክፍሊት ጥራሕ ክፍሊት ክፍፅሙ ከምዝተገበረ እውን ኣመልኪቶም።
መደበራት ነዳዲ ንትካላትን ኣገልግሎት ንዝህቡ ኣካላትን ብሴክተር ተኸፋፊለን ነዳዲ ከቕርባ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ዝቐርብ ነዳዲ ንዘይተደልየ ዕላማ ከይውዕል ከምዝሕግዝ ገሊፆም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝርከባ 75 መደበራት ነዳዲ መርመራን ምፅራይን ብምክያድ፤ ነዳዲ ከእትዋ ዘኽእለን ፍቓድ ከምዝተውሃበን እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እቲ ክልል ነዳዲ ምእታው ከምዝጅመር እውን ኣረጋጊፆም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ