ፍትሒ ንኣባይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ሕፅረት ማይ ኣለኒ ዝብል ሰፊሕ ፖለቲካዊ ያታ ንምህናፅ እትፍትን ግብፂ ብሓቂ ሕፅረት ማይ ድዩ ዘለዋስ ወይስ ከቢድ ፀገም ምምሕዳር ማይን ልዑል ብኽነት ሃፍትን?
እታ ሃገር ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተፈረሙን ንኢትዮጵያ ዝኣለየ ስምምዓት 1929ን 1959ን መሰረት ብምግባር 55ነጥቢ5 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ኣባይ ብናታ ጥራሕ ከምዝኾነ እኳ እንተትምጉት ኣጠቓቕማኣ ግና ቁጠባዊ ማይ ዘይኮነስ ልዑል ብኽነት ሃፍቲ ዘለዎ ምዃኑ የረድእ።
እታ ሃገር ኣብ ዓለም ልዑል ድልየት ማይ ዘለዎም ኣዝርእቲ ብምፍራይ ማይ ኣባይ ክባኽን ትገብር። ንኣብነት ልዑል ማይ ዝወስድ ሩዝ ብምፍራይ ኣብ ኣፍሪካ ድሕሪ ናይጀርያ ካልኣይቲ እያ።
ግብፂ ኣብ ዓመት ኣብ 650 ሽሕ ሄክታር መሬት ክሳብ 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ሩዝ ንምፍራይ ካብ 8 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ንላዕሊ ማይ ትጥቀም። እዚ ማለት ካብቲ ካብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ብፅሒት ልዕሊ 16 ሚእታዊት ንምህርቲ ሩዝ ጥራሕ ተውዕሎ ማለት እዩ።
ኣብ 130 ሽሕ ሄክታር መሬት ንእተፍርዮ ጡጥ ኣብ ዓመት ክሳብ 700 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ እተባኽን እንትትኾን፤ ከም ሽኮር ኣገዳ፣ ባናና፣ መሸሓሪን ስርናይን ዝኣመሰሉ ኣዝርእቲ እውን ኣብ በረኻ ብማይ ዘባኽን ኣገባብ መስኖ ምፍራያ ንልዑል ብኽነት ማይ የቃልዓ።
ኣባይ ህላውናይ እዩ ዋላ እንተበለት እቲ ሩባ ኣብ በረኻታት ክውሕዝ ብምፍቃዳን ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ኣየር ኣብ ዓመት ካብ 10 ክሳብ 16 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ብትነት ክባኽን ምግባራን ብሓቂ ንኣባይ ፍትሒ የድልያ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።
ግብፂ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ሜዲትራኒያንን ወሰን ቀይሕ ባሕርን ወናኒት ብምኳና፣ ማይ ባሕሪ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ምፅራይን ምጥቃምን ሰፊሕ ተፈጥሮኣዊ ዕድል ኣለዋ።
ብተወሳኺ ካብ 100 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ንላዕሊ ዝግመት ዓብዩ ክምችት ከርሰ ምድራዊ ማይ ኑቢያ ስለዘለዋ ውሑሳትን ዘላቕነት ዘለዎምን ኣማራፅታት ማይ ዘለዋ ሃገር እያ።
ብኣንፃሩ ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕትኦም ሩባታት ዶብ ሰጊሮም ዝወፅኡላ ካብ ምኳኑ ንላዕሊ፣ ከም ግብፂ ማይ ባሕሪ ናይ ምፅራይ ጂኦግራፊያዊ ኣማራፂ ዘይብላ ከምኡ እውን ከርሰ ምድራዊ ማያ እውን ምስ ናይ ግብፂ ክነፃፀር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ፅሩይ ሃፍቲ ማያ ኣብ ጥቕሚ ከተውዕል ግዴታ ከምዘለዋ ይገብር።
ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊ ኣህጉራዊ ዶብ ዝሰግሩ ሩባታት ኢትዮጵያ ማያ ብፍትሓውን ምኽንያታውን መንገዲ ናይ ምጥቃም ተፈጥሮኣዊ ዓለም ለኸ መሰላ ዝተሓለወ እዩ።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክርድኦ ዝግባእ መሰረታዊ ሓቂ ግብፂ ሕፅረት ማይ ኣለኒ ብምባል እተቕርቦ ጥርዓን እቲ ታሪኻዊ ናይ በይንኻ ልዕልና ንምቕፃል እትጥቀመሉ ፖለቲካዊ ካርዲ እምበር ናይ ሓቂ ሕፅረት ማይ ስለዘለዋ ከምዘይኮነ እዩ።
ኢትዮጵያ ዜጋታታ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ካብ ሩባ ኣባይ ብፍትሓውን ምኽንያታውን መንገዲ ናይ ምጥቃም መሰላ ብፍፁም ንድርድር ዝቐርብ ኣይኮነን።
ብታሪኩ ለገሰ