ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ቻይና ዑደት ክገብሩ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ቻይና ዕላዊ ዑደት ከምዝገብሩ ክሬምሊን ኣፍሊጡ፡፡
ቅድሚ መዓልቲታት ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቻይና ዕላዊ ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ክልተኣዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ተዛቲዮም ኢዮም፡፡
ፕሬዚዳንት ሺ ድሕሪ ዑደት ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መዓልቲታት ኣፈላላይ ንሩሲያ መዘነኦም ቭላድሚር ፑቲን ክቕበሉ ኢዮም፡፡
ፕሬዚዳንት ፑቲን ካብ ዝቕፅል ሰሉስ ጀሚሮም ኣብ ዝገብሩዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ኣብ ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ምጥማት ምስ ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ክዛተዩ ኢም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
እቲ ዑደት ጥቡቕነ ምሕዝነትን ስትራቴጂያዊ ምትሕብባርን ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ክሬምሊን ብምፅራሕ ግልጋሎት ዝና ሩሲያ ታስ ፀብፂቡ፡፡