Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ዝርከብሉ ፍፃመ ፅዋዕ ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣርጀንቲናን ስፔንን ኣብ ዝገብርዎ ግጥም ፍፃመ ፅዋዕ ዓለም ብኣካል ኣብ ስታድዩም ተረኺቦም ከምዝከታተልዎ ተገሊፁ።

ብኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ኣሳናዳእነት ክካየድ ዝፀንሐ ፅዋዕ ዓለም 2026 ኣብ መዛዘሚኡ በፂሑ ኣሎ፣ ፅዋዕ ዝወስድ ጋንታ ዝውስኑ ናይ ፍፃመን ናይ ሳልሳይ ደረጃን ግጥማት ጥራይ ተሪፎም ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ካብቶም ክሳብ ሕዚ ዝተኻየዱ 102 ግጥማት ሓደ እኳ ብኣካል ኣብ ስታድዩም ዘይተኸታተሉ እንተኾኑ ነታ እትዕወት ሃገራዊት ጋንታ ፅዋዕ ከረክቡ ምዃኖም ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ፅዋዕ ዓለም ክለባት ፍፃመ ግጥም ብኣካል ተረኺቦም ነይሮም።

ብኻልእ ወገን ፊፋ ኣብ ዝመፅእ ሰንበት ምሸት ሰዓት 4:00 ኣብ ሜትላይፍ ስታድዩም ኣብ ዝካየድ ግጥም ፍፃመ ነታ ተዓዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ብተወሳኺ ፅዋዕን መዳልያን ናይ ኢድ ቀለበት (Championship Ring) ከረክብ ምዃኑ ተገሊፁ።

ካብቶም 30 ቀለበታት ንሻምፒዮናት ዝተዳለዉ ብተወሳኺ 1ሺሕ996 ቀለበታት ንደገፍቲ ብሽያጥ ከም ዝቐርቡ ተገሊፁ። እቶም ቀለበታት ድማ ምስሊ ፅዋዕ ዓለም ዝተቐርፀሎም ምዃኖም ተገሊፁ።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.