ፖሊስ ኮሌጅ ኣዲስ ኣበባ 864 መኮንናት ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኮሌጅ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብካልኣይ ዙር ዝሰልጠኑ 864 መኮንናት ፖሊስ ኣመሪቑ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ እቶም ተመረቕቲ መኮንናት ፖሊስ ኣብ እዋን ስልጠናኦም ዝረኸቡዎ ፍልጠት ንዝለዓለ ፖሊሳዊ ስብእና ዘብቅዕ እዩ።
ተመረቕቲ ናብ ስራሕ እንትዋፈሩ ብዘይ ኣድልዎን ፍልልይን ብተኣማንነት፣ ብትብዓት፣ ብሰብኣዊነትን ብኽብሪን ንልዕልና ሕጊ ከምዘገልግሉ እምነተን ገሊፀን።
ብንድፈ ሓሳብን ብተግባርን ከምኡ እውን ብፅኑዕ ስነ-ምግባር ስልጠናኦም ንዝዛዘሙ መኮንናት ፖሊስ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፈን።