Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

June 2021

ማሕበር ቀይ መስቀለ ኢትዮጵያ 100 ሺሕ ክታበት ኮቪድ-19 ካብ ቀይሕ መስቀል ቻይና ክርከብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይ መስቀለ ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ መስቀል ቻይና ዝተበርከተሉ ሓገዝ 100 ሺሕ ክታበት ኮቪድ-19  ክርከብ ኢዩ። እቲ ማሕበር ዝተገበረሉ ሓገዝ ድማ ብሚኒስቴር ጥዕና ኣቢሉ ናብ ሕብረተሰብ ንኽባፃሕ ንሚኒስቴር ጥዕና ከምዘረክብ ተሓቢሩ፡፡…

ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ኣብ ዝካየደሉ መዓልቲ ብኽፋል ክፍቲ ኮይኖም ክውዕሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ዝካየደሉ መዓልቲ ምስ መረፃ ዝተተሓሓዙን ህፁፅ ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝሓቱ ጉዳያት ንምትእንጋድ ብኽፋል ክፍቲ ኮይኖም ከምዝውዕሉ ተገሊፁ። ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ማለት እውን ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፣…

ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ጂ ኣይ ዜድ ጀርመንን ሰነድ ስምምዕነት ፕሮጀክት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ጂ ኣይ ዜድ ጀርመንን ሰነድ ስምምዕነት ፕሮጀክት ከቲሞም። እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ከባቢ ሴክተራት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከባቢ ስራሕን ናብራን ንምምሕያሽን ዕድል ስራሕ ክብ ንምባልን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።…

ኣብ እዋን መረፃ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ኣብ እዋን መረፃ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፀዊዑ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ መረፃ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ምስ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ተዛቲዩ። እቲ መድረኽ…

እዋናዊ ኩነታት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንልዕሊ 5 ሺሕ ምሁራን መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶ/ር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ እዋናዊ ኩነታት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንልዕሊ 5 ሺሕ ምሁራን ዩንቨርስቲታት መብርሂ ሂቦም። እቶም ምሁራን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ካብ ዘለዋ ልዕሊ 50 ዩንቨርስቲታት ዝተውፃእፅኡ…

መረፅቲ ኣድላዪ ጥንቃቐ ኮቪድ-19 ክገብሩ ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢዮጵያ ኣገንዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ድምፂ ንመሃብ ናብ ጣቢያታት መረፃ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ኣድላዪ  ጥንቃቐ ኮቪድ-19 ክገብሩ ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። ቦርድ መረፃ ንኣፈፀምቲ መረፃ ዝኸውን መከላኸሊ ኮቪድ-19 ምቕራቡ ዝገለፀ እቲ…

ዲጂታል ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ዝዓለመ ማእኸል ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግደ ሙሁራን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘተ መርበብ ሓበሬታ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ ዘተ፥ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ዘሰናድኡዎ ኢዩ፡፡ ምክትል ቀዳማይ…

ወይዘሪት ሄራን ገርባ ተዓዋቲት ሽልማት ሽጋራ ዘይትከኸሉ መዓልቲ 2021 ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ምግቢን ኣፋውስን ኢትዮጵያ ወይዘሪት ሄራን ገርባ ተዓዋቲት ሽልማት ሽጋራ ዘይትከኸሉ መዓልቲ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ኮይነን። እተን ዋና ዳይሬክተር፥ ኢትዮጵያ ሰባት ኣብ ዝተኣከቡሉ ቦታ ሽጋራ ከይትከኽ ዘውፀአቶ…

ዝቕፅል ከይዲ ሃገራዊ መረፃ ንምዕዛብ ተዓዘብቲ ናብ ኢትዮጵያ የኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ሃገራዊ ሃገራዊ መረፃ ንምዕዛብ ተዓዘብቲ ናብ ኢትዮጵያ የኣትዉ ኣለዉ። ትማሊ ምሸት ነበር ፕሬዚዳንትን ናይጄሪያንኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ሓላፊ ጉጅለ ተዓዘብቲ መረፃ ዝኾኑ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።…

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ንዝግብር ዘተን ግጥምን ክትዳሎ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ንዝግብር ዘተን ግጥምን ክትዳሎ ከምዝግባእ ፀዊዖም። ሰሜን ኮርያ ኣቐድሚ ሕዚ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንኽምስረት ዝገበሩዎ ፈተነ ገፅ ከሊኣቶ ፀኒሓ ኢያ። እቲ መራሒ ሰሜን…