Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

June 2022

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ፖሊስ ተላዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ምስ ኣመራርሓታት ፖሊስ ተላዚቦም። እቲ ዘተ፥ ኣብ ሪፎርም ፖሊስ፣ ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ተግባራትን ዝጠመተ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።…

ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ምስ ሓላፊት ስራሕ ምትሕብባር ልምዓት ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ፈትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ምስ ሓላፊት ስራሕ ምትሕብባር ልምዓት ሕብረት ኣውሮፓ ፌራን ሚሪያም ኣብ ብራስለስ ተዛቲዮም። እቲ ዘተ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ምኽኒያት ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ኣብ ዘኽእል…

ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ኣብ ኣፍሪካ ካብ መንጎ ዝነበሩ ሓሙሽተ ተመረፅቲ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ሓንቲ ከምዝኾነት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2021 ኣብ ኣፍሪካ ካብ መንጎ ዝነበሩ ሓሙሽተ ተመረፅቲ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ሓንቲ ከምዝኾነት ኮንፈረንስ ልምዓትን ንግዲን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊፁ። እቲ ትካል ሐዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፀብፃብ…

ምርኢት ስእሊን መድረኽ ዘተን “ብዛዕባ ኢትዮጵያ” ኣብ ሃዋሳ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምርኢት ስእሊን መድረኽ ዘተን "ብዛዕባ ኢትዮጵያ" ኣብ ሃዋሳ ተኸፊቱ። እቲ መድረኽ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞን ዋና ኣፈፃሚ…

ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ ምስ ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዶክተር ስለሺ በቀለ ምስ ነበር ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ ተዛቲዮም። ኣብቲ ዘተ 15 ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ቴክኖሎጂን ኣንግሎ ስቴትን እውን ተረኺቦም። እቲ ዘተ…

ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ዕላዊ ንክኸውን ዘኽእል ምቹው መሰረተ ልምዓት ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ዕላዊ ንክኸውን ዘኽእል ምቹው መሰረተ ልምዓት ከምዘለዉ ተገሊፁ። ፓርክ ኢንዱስትሪ ድሬዳዋን ደረቕ ወደብ ድሬዳዋን ብምውዳድ ዝጣየሽ ናፃ ቀጣና ንግዲ ጠሚቱ ኣብ ክሊ ማዕቐፋት ሕጊን መሰረተ ልምዓትን ዘተ ተኻይዱ።…

ሓዱሽ ወግዒ “ካብ መንጎ ፅንፈኛ ወርቃዊ ማእኸላይ ምንዳይ” ብዝብል ርእሲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝዳሎ ሓዱሽ ወግዒ “ካብ መንጎ ፅንፈኛ ወርቃዊ ማእኸላይ ምንዳይ” ብዝብል ርእሲ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ፍታሕን ዓውዲን ፅንፈኝነት ዘድሃበ ቀዳማይ ክፍለ ጊዘ ፕሮፌሰር ሃብታሙ ወንድሙ ብዘቕርብዎን…

96 ኪሎግራም ዝምዘን ንግዚኡ እንታይነቱ ዘይተፈለጠ ናውቲን ሓደገኛ መዐወኒ እፅን ብመዕርፎ ነፍረቲ ቦሌ ኣቢሉ ናብ ወፃኢ ንክወፅእ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)96 ኪሎግራም ዝምዘን ንግዚኡ እንታይነቱ ዘይተፈለጠ ናውቲን ሓደገኛ መዐወኒ እፅን ብመዕርፎ ነፍረቲ ቦሌ ኣቢሉ ናብ ወፃኢ ንክወፅእ ተታሒዙ። ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ጁሃንስበርግ  ኣብ ዝበርር ኣውሮፕላን 44 ኪሎ ግራም ዝምዘን  ኖራ ዝመስል 39 ለማፅ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሃፍቲታት ሃገር ብኮንትሮባንድ ንግዲ ዶብ ተሳጊሮም ከይወፅኡ ምክልኻል ክዝግባእ ኣገንዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ሃፍቲታት ሃገር ብኮንትሮባንድ ንግዲ ዶብ ተሳጊሮም ከይወፅኡ ምክልኻል ክዝግባእ ኣገንዚቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ፥ ድንበር ተሻጋሪ ንግዲ ኮንትሮባንድ…

ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሳለጦ ቀዳማይ ዓመት 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሳለጦ ቀዳማይ ዓመት 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ምምሕዳር ከተማ መሬት ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣግባብ ንልምዓት ንምውዓል 89 ዝኾኑ ቦታታት ንመንበሪ፣ ንንግዲን ንሕውስዋስ…