Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

October 2023

ኣብ ዝተኸልከሉ መገዲታት እናተንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ 687 ተሽከርከርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተኸልከሉ መገዲታት እናተንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ 687 ተሽከርከርቲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኤጀንሲ ማኔጅመንት ትራፊክ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡ ስጉምቲ ዝተወሰዶም ተሽከርከርቲ ኣብታ ከተማ 5 ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ሰዓት መእተዊ ስራሕን…

ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ጉባኤ መንፈሳዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዛዕባታት ብዝምልከት ዘተ ዝግበረሉን ውሳነ ዝወሃበሉን ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ነቲ ምልኣተ ጉባኤ ብፀሎት ዝኸፈቱ…

ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ፈላማይ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ ኣካደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ፈላማይ ዝኾነ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ ኣካደን። እቲ ሰለስተኣዊ ወታደራዊ ልምምድ ካብ ሰሜን ኮሪያ ክፍኖ ዝኽእል መጥቃዕቲ ኒውክሌርን ሚሳኤልን ንምምካት ዘኽእል ዓቕሚ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ኣብ…

ኢትዮጵያ ብ”ቤልት ኤንድ ሮድ” ተደጊፋ ንግዲ ወፃኢ ተሳልጥ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣካል ”ቤልት ኤንድ ሮድ” ብዝኾነ ኣገልግሎት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ኣቢላ  ንግዲ ወፃኢ ተሳልጥ ከምዘላ ተገሊፁ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ቡናን ቆርበትን ናብ ወደብ ጂቡቲ ብምብፃሕ እቲ ኣገልግሎት ልዑል ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ድማ ተሓቢሩ።…

ኣብ ወረዳ ኣዳሚ ቱሉ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምስብራቕ ሸዋ ወረዳ ኣዳሚ ቱሉ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ሓሊፉ፡፡ እቲ ሓደጋ ካብ ወረዳ ኣዳሚ ቱሉ ናብ ከተማ ባቱ እናተጓዓዘት ዝነበረት ዳማስ ተሽከርካሪትን ብተፃራሪ ኣንፈት እናተጓዓዘት ዝነበረት ቪ ኤይት (v8)…

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሶማሌ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሶማሌ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም። ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ "ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ማእኸል ጅግጅጋ ተረኺቦም እናተውሃበ ዝርከብ ስልጠና እውን…

ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እዋናዊን ዓቕሚ ሎጂስቲክስ ተሓሳቢ ዝገበረን ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እዋናዊን እናዓበየ ዝመፅአ ዓቕሚ ሎጂስቲክስ ተሓሳቢ ዝገበረን ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተ በዓል መዚ ማሪታይም ኢትዮጵያ ኣብዱልበር ሸምሱ ገፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ…

ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ብብቕዓት ንምሕላው ዘኽእል ሓይሊ ኣየር ከምዝተሃነፀ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)24 ሰዓት ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ብቕዓት ንምሕላው ዘኽእል ሓይሊ ኣየር ከምዝሃነፀ ዋና መምርሒ መሳርሒን ፅገናን መከላኸሊ ኣየር ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ መምርሒ ኮሎኔል ተሾመ ባጫ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሓይሊ ኣየር ናይ…

ኢትዮጵያን ባህሬንን ንግዳዊ ምትሕብባረን ንዕባይ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ባህሬንን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ቱሪዝምብ ዘለወን ምትሕብባር ንዕባይ ተስማዕሚዐን። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ኣምባሳደር ሽፈራው ገነቴ ምስ ሚኒስትር ሕርሻን ቤት ማዘጋጃን ዋኢል ቢን ናስር ኣል ሙባረክ (ኢ/ር)…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) አብ ቻይና ግዝአት ሲዥዋን ከተማ ቼንግዱ ዑደት ገይሮም

አዲስ አበባ ፣ ጥቅምት 9 ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) አብ ቻይና ግዝአት ሲዥዋን ትርከብ ከተማ ቼንግዱ ዑደት ኣሳሊጦም። ካብ ቤጂንግን ሻንጋይን ቀፂላ አብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ዓባይ ከተማ ቼንግዱ ምስ ኢትዮጵያ ብብርክት ዝበሉ መዳያት ርክብ ፈጢራ ተባሂሉ።…