50 ሺሕን 188 ጣቢያታት መረፃ ኣብ ሰዓቶም ተኸፊቶም – ቦርድ መረፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 50 ሺሕን 188 ጣቢያታት መረፃ ኣብ ሰዓቶም ተኸፊቶም ከይዲ ምሃብ ድምፂ ተጀሚሩ ኢሉ፡፡
ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ፤ ግዚያዊ ከይዲ እቲ መረፃ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፤ 50 ሺሕን 188 ጣቢያታት መረፃ ኣብ ሰዓቶም ተኸፊቶም ወሃብቲ ድምፂ እናተኣናገዱ ይርከቡ ኢለን፡፡
ክባዚ ብተወሳኺ 695 ጣቢያታት ደንጉዮም ከምዝተኸፈቱ ብምሕባር፤ 4 ጣቢያታት መረፃ ድማ ብምኽንያት ፀገም ፀፅታ ተቛሪፆም ኢለን።
ብዲጂታል ዝተመዝገቡ መረፅቲ ናይ ገፅ ቁፅሪ ብዘይምርካቡ ነዋሕቲ ሰልፊታት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እቲ ፀገም ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡
መረፅቲ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ብዕቱብ ወፂኦም ድምፂ እናሃቡ ከምዝርከቡ እውን ኣመልኪተን፡፡
ብቤተልሄም መኳንንት
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision