ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ፍቓድ ዝወሰዱ ኣካላት ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ፍቓድ ዝወሰዱ ኣካላት ናብ ጅምር ስራሕ ህንፀት ከምዝኣተዉ በዓል መዚ ቁፅፅርን ፍቓድን ህንፀት ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ዘፈር ቁፅፅርን ፍቓድን ህንፀት እቲ በዓል መዚ ከማል ጀማል (ኢ/ር)÷ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ኣብታ ከተማ ኣብ ዘፈር ኮንስትራክሽን 3 ሺሕን 110 ኣካላት ፍቓድ ህንፀት ከምዝወሰዱ ገሊፆም።
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 1 ሺሕን 900 መመሓየሺ ፍቓድ ህንፀት ዝወሰዱ ከምዝኾኑ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።
ኣብ ዘፈር ኮንስትራክሽን ፍቓድ ህንፀት ህንፃ ዝወሰዱ ኣካላት ናብ ጅምር ስራሕ ህንፀት ከምዝኣተዉ እቶም ዳይሬክተር ኣብሪሆም፡፡
ብታሪክ ኣዱኛ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com