ሃይለማርያም ተገኑ ተዓዋቲ መበል 23 ዙር ፋና ላምሮት ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃይለማርያም ተገኑ ኣብ መበል 23 ዙር ውድድር ፋና ላምሮት ብምዕዋት ኮኾብ ናይቲ ውድድር ብምዃን ዛዚሙ።
ንሰለስተ ኣዋርሕ ብርቱዕ ውድድር ክካየደሉ ዝፀንሐ ውድድር ፈፃመ ፋና ላምሮት መበል 23 ዙር ሎሚ ብዝተኻየደ ድሙቕ ስነ-ስርዓት ተዛዚሙ።
ብ16 ተወዳደርቲ ዝጀመረ እዚ ዙር፤ በቢሰሙም ኣብ ዝካየድ ናይ መፃረዪ ውድድር ኣቢሉ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ናብ ፍፃመ ከምርሑ ገይሩ።
እቶም ናብ ፍፃመ ዝበፅሑ ተወዳደርቲ ዳዊት ኣታላይ፣ ሃይለየሱስ ታደገ፣ ሃይለማርያም ተገኑን በረከት መስፍንን እዮም።
ኣብቲ ናይ ፍፃመ ውድድር ዝሐሸ ብቕዓት ብምርኣይ ሃይለማርያም ተገኑ ተዓዊቱ።
ብተወሳኺ በረከት መስፍን ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ እንተሎ፤ ዳዊት ኣታላይን ሃይለየሱስ ታደገን ድማ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም።
እቶም ተወዳደርቲ ብፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ዝተዳለወ ሓደ ሚልዮን ብር ሽልማት ተኻፊሎም።
ኣርባዕቲኦም ተወዳደርቲ ፍፃመ ናይዚ ዙር፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝጅምርን ልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ሚልየን ብር ሽልማት ዝተዳለወሉን መበል 6ይ ውድድር “ጎብለላት” ናይ ምስታፍ ዕድል ረኺቦም።