Fana: At a Speed of Life!

ተለዓልቲ ልምዓት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ዘደንቕ ምትሕብባር ገይሮም ኢዮም – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተለዓልቲ ልምዓት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ዘደንቕ ምትሕብባር ከምዝገበሩ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ ኣሎ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘቕረበኦ ፀብፃብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ሓዊሱ ብዙሓት ውፅኢታዊ ተግባራት ከምዝተወገኑ ኣልዒለን።

ልምዓት ኮሪደር ነታ ከተማ ብመሰረታዊነት እናሓደሰ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ “ኣብ ልምዓት ኮሪደር ናይ መኪና መገዲ ጥራሕ ዘይኮነስ 80 ሚኢታዊ ተሽከርካሪ ዘይብሉ ነባራይ ከተማና ብቐሊሉ ክጥቀመሉ ዝኽእል ናይ እግረኛታት መገዲ ኣስፋሕፊሕና ኢና” ኢለን።

ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን መሊስካ ምልማዕን ብህዝቢ ሓገዝን ምትሕብባርን ዝተረጋገፀ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ኣብዚ ስራሕ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብጉልበቶም ሓጊዞም ኢዮም፤ ሰብ ሃፍቲ ገንዘቦም ኣፍሲሶም ኢዮም ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ተለዓልቲ ልምዓት ዘደንቕ ምትሕብባር ከምዝገበሩ እውን ገሊፀን።

ብክብረወሰን ኑሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.