ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተዳለወ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተዳለወ ሚኒስትር ሕርሻ ኣፍሊጦም፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ እያሱ ኤልያስ (ፕ/ር)ናይ ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም፡፡
ክሳብ ሕዚ 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት ምግባሮም ዝገለፁ እያሱ (ፕ/ር)÷ ካብ ዝተተኽሉ ፈልሲታት 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፈልሲ ፍራፍረ ምዃኖም ገሊፆም።
ክሳብ ሕዚ ዝተተኽሉ ፈልሲታት ውሽጢ 80 ሚኢታዊ ዝኾኑ ምፅዳቆም ብምሕባር÷ ናይ ሎሚ ዓመት ጎስጓስ ዝትከሉ ፈልሲታት ኩሎም ክፀድቑ ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ብዙፋን ካሳሁን