ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ናይ ኩሉ ግዘ ስራሕና ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከም ኣቦታትና ብስምዒት ሓርበኝነት ብሄራዊ ረብሓን ሓድነትን ኢትዮጵያ ምኽባር ናይ ኩሉ ግዘ ስራሕና ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
መዛዘሚ መርሃ ግብሪ በዓል መዓልቲ ምስረታ መበል 116 ፖሊስ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ተኻይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ንትካል 116 ዓመታት ማለት ቀሊል ትርጉም ዝወሃቦ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፥ ቀፃሊ ዝኾነ ሪፎርምን ዘበን ዝጠልቦ ዓቕሚ ምህናፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ከይዲ ህንፀት ትካላት ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነት ኣብ ዝሕልዉ ትካላት ዝተሰርሐ ስራሕ ዘዕግብ ይኹን እምበር፥ ብመንፅር ዓለም ዘለቶ ኩነታት ቀፃልነት ብዘለዎ ምስልጣንን ምስንዳእን የድሊ ኢሎም፡፡
ትካላት ፀፅታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተረኸበ ዘኹርዕ ውፅኢት እንተይተዘናግዑ ቀፃሊ ዝኾነ ዓቕሚ ምህናፅን ንባዕሎም ኣብ ምዕባይን ብሓባር ክርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ ሰላምን ሓድነትን ዘረጋግፅ ስራሕ ካብ ሰራዊት ፖሊስ ትፅቢት ከምዝግበር ብምምሕባር፥ ሓደ ክንከውን እንተኽኢልና ግዝኣታዊ ሓድነትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ንኽእል ኢሎም፡፡
ድሌት ፀላእቲና ነዓና ምፍላይን ምብታንን ብምዃኑ፥ ናትና ዕለማ ብሄራዊ ረብሓታትና ኣጠንኪርና ምፍላጥ፣ ሰላምና ምሕላው፣ ተሓባቢርና ምትጋህን ምስ ኣሕዋት ጎረባብቲ ህዝቢታት ብሓባር ምስራሕ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
ካብዚ ዝሓልፍ ነገር እንተሃሊዩ ግን ከም ኣቦታትና ብስምዒት ሓርበኝነት ብሄራዊ ረብሓን ሓድነትን ኢትዮጵያ ምኽባር ናይ ኩሉ ግዘ ስራሕና ኢዩ ክብሉ ነቲ ሰራዊት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ሓይሊታት ብዝተለመደ መገዲ ብቕልፅምና ክፈርሱ ኢዮም ክብሉ እውን ኣጠንቂቖም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ