ሃገር በቆል ፍልጠት ተሓሊዩ ንኽፀንሕ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር በቆል ፍልጠታት ብምምዝጋብ ብሕጋዊ መገዲ ተሓሊዮም ንኽፀንሑ እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ሃገር በቆል ፍልጠታትን ዓቕሚ ቱሪዝምን ንዘላቒ ልምዓት ንምጥቃም ዘኽእል መድረኽ ዘተ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ወልዱ ይመስል÷ ኢትዮጵያ ሃገር በቆል ፍልጠት ማሕበረሰብ ብዝግባእ ምጥቃም ከምዘይከኣለት ኣልዒሎም፡፡
ኢትዮጵያ ዘይድህሰሱን ዘይጭበጡን ብዙሓት ሃፍቲታት ማሕበረሰብ የሃልዋ እምበር ኣብ ኣእምሮኣዊ ንብረት ስለዘይተመዝገቡ ግቡእ ፍልጠት ምርካብን ምልማዕን ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም፡፡
በዚ ድማ እቲ በዓል መዚ ሃገር በቆል ፍልጠታት ንምምዝጋብን ብሕጊ ክሕለዉን ንምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡
ተሳተፍቲ ምሁራን እቲ መድረኽ ብግደኦም÷ ሃገር በቆል ፍልጠታት ንዓውዲ ቱሪዝም ክውዕሉን ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ንምግባርን ብመፅናዕቲን ምርምርን ዝተሓገዙ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም፡፡
ብቲያ ኑሬ