ጂኦስትራቴጂክ ብራኸ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ጂኦስትራቴጂክ ምስ ጂኦግራፊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓ ሃገር ወይ እውን ዞባ ዝተኣሳሰረ ስትራቴጂካዊ ውሳነ ወይ ቅዋም ዘመላኽት እዩ።
ጂኦስትራቴጂካዊ ጂኦግራፊ ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ፣ ተፋሰስ ናይልን ቀርኒ ኣፍሪካን ዝተኣሳሰረ እዩ። ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳይ ጂኦስትራቴጂክካዊ ድማ ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ኣብቲ ዞባ ጂኦስትራቴጂካዊ ልዕልነት ምስ ምርካብ ዘለዎ ግደ ዝተተሓሓዘ እዩ።
ብመንፅር እዚ ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ርእሳ ኣቕኒዓ ኣብ ጂኦስትራቴጂክ ብራኸ ትርከብ። እዚ ብራኸ ናይ ሓደ መዓልቲ ፍፃመ ዘይኮነስ ውፅኢት ታሪኽ፣ ጂኦግራፊ፣ ሓይሊ ህዝቢን ሃገራዊ ረብሓን ናይ ምዕዋት ድሌትን እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብተደጋጋሚ ከም ዘልዕሉዎ፤ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ዕጫ ኢትዮጵያ ዝውስኑ እዮም።
እዚ ሓሳብ ንጂኦስትራቴጂክ ክውንነት እታ ሃገር ብዕምቆት የርኢ። ምስኣን በሪ ባሕሪ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተፈፀመ ታሪኻዊ ስሕተት ኮይኑ ፅባሕ ዝእረም ስሕተት ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ፤ ጉዳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ምዃኑ የስምሩሉ።
እቲ ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካሊእ ግልፂ ምልክት ጂኦስትራቴጂክ ብራኸ እዩ። እቲ ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጥራሕ ኣየፍረየን። ዞባዊ ሓይሊ ሚዛን እውን ቀይሩ እዩ።
ምሁራን ከም ዝገልፁዎ፣ ንኢትዮጵያ ካብ ክትዕ «መሰል ማይ» ናብ «ውህደት ሓይሊ» ዝቐየረ መሳርሒ ኮይኑ እዩ።
ኣብዚ መዳይ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንኹሎም ፀለምቲ ህዝቢታት ፍልፍል ምልዕዓል እዩ ይብሉ።
እቲ ግድብ ናብ ፍረ ምብቅዑ ብርእሰ ዓቕሚ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ናይ ምዕዋት ጋህዲ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘርኢን እምነት ዘጠንክርን ዓወት እዩ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝስርሑ መፅናዕትታት ንኢትዮጵያ ከም «ዞባዊ ሓይሊ»ን «ማእኸል ቀርኒ»ን ይግለፁ። ብዝሒ ህዝቢ፣ ዓቕሚ ምክልኻል፣ ዕቤት ኢኮኖሚን ዲፕሎማስያዊ ፅንዓትን ብሓባር ብምዃን እታ ሃገር ኣብቲ ዘቦ ዘለዋ ፅልዋ ክብ ኣቢሎምዎ።
ገለ ተመራመርቲ ዶክትሪን «ክልተ ማያት» (Two Waters) ይፀርሑ። እዚ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ከም ሓደ ስትራቴጂክ ኮሪደር ዘራኽብ ኣረኣእያ ኮይኑ፤ ንጂኦስትራቴጂክ ራኢ ኢትዮጵያ ብግልፂ ዘርኢ እዩ።
እዚ ምልዕዓል ግን ተቓውሞ ዘይብሉ ኣይኮነን። ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራትን ሓደሓደ ጎረባብቲን ዕቤት ኢትዮጵያ ከም ስግኣት ይቖፅረኦ። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ሰላማዊ ድርድር ተበረታትዕ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ብኲናት ዘይኮነስ ብስምምዕነትን ብሕጊ ዕዳጋን ኢና በሪ ባሕሪ ክንረክብ ንደሊ ብምባል ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ምስ ምትሕብባር ዝተወሃሃደ ቅዋም ከም ዘለዋ ይገልፁ።
ሓዱሽ ዝምስረት መንግስቲ መደመር ነዚ ጂኦስትራቴጂክ ራኢ ናብ ተግባር ክቕይሮ ትፅቢት ይግበረሉ።
ሕቶ በሪ ባሕሪ ብሰላማዊ መንገዲ ክቕፅል ምግባርን ውህደት ሓይሊ ምስፍሕፋሕን ናይ ዝቕፅል ምዕራፍ ቀንዲ ተግባራት እዮም።
ኢትዮጵያ ካብ ድቃሳ ክትበራበር እያ፤ ርእሳ ኣቕኒዓ እያ፤ ጂኦስትራቴጂክ ብራኸኣ ጀሚሩ እዩ፤ ሃገር ክትበራበር እንተላ ታሪኽ እውን ምስኣ እናተበራበረ ስለ ዝኸይድ ነዚ ምልዕዓል ምቕፃል ሓባራዊ ሓላፍነት ህዝቢን መንግስቲን እዩ።